ኢትዮጵያ ኣብ ዓለም ሻምፒዮና ጉያ ጎደና 2ይ ደረጃ ብመሓዝ ዛዚማ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 መስከረም፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ ኣብ ዴንማርክ ኮፐንሃገን ኣብ ዝተኻየደ ካልኣይ ዓለም ለኸ ሻምፒዮና ጉያ ጎደና 2ይ ደረጃ ብመሓዝ ዛዚማ።

ንኽልተ መዓልታት ክካየድ ዝፀንሐ እቲ ሻምፒዮና ሎሚ መዓልቲ ዝተዛዘመ ኮይኑ፤ ካብ 86 ሃገራት ዝተውፃእፁኡ ልዕሊ 450 ኣትሌታት ተሳቲፎም።

ኢትዮጵያ ኣብቲ ሻምፒዮና፤ ኣብ ውድድራት ፍርቂ ማራቶን ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን፣ ከምኡ እውን ኣብ 5 ኪሎ ሜትሮ ውድድር ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ኣብ ውድድር 1 ማይል ደቂ ኣንስትዮን ተሳቲፋ።

ኣብቲ ምሃ ግብሪ ኢትዮጵያ ሓንቲ ወርቂ፣ ክልተ ብሩርን ሓንቲ ነሓስን ብድምር ኣርባዕተ ሜዳልያታት ብምርካብ 2ይ ደረጃ ብመሓዝ ዛዚማ።

ልቅና ኣምባው ኣብ 5 ኪሎ ሜትር ሜዳልያ ወርቂ፣ ፍሬወይኒ ሃይሉ ድማ ኣብ 1 ማይል ሜዳልያ ብሩር ንኢትዮጵያ ኣምፂአን።

ብተወሳኺ፣ ኢትዮጵያ ብጉጅለ ኣብ ፍርቂ ማራቶን ደቂ ተባዕትዮ ብሩር፣ ኣብ ፍርቂ ማራቶን ደቂ ኣንስትዮ ድማ ሜዳልያ ነሓስ ኣምፂአን።

ኬንያ ሰለስተ ወርቂ፣ ሰለስተ ብሩርን ሓንቲ ነሓስን ብድምር ሸውዓተ ሜዳልያታት ብምርካብ ነቲ ውድድር ብፀብለልታ ዛዚማቶ።

Comments (0)
Add Comment