ኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲ ቴክኖሎጂ ዘመዝገበቶም ዓወታት ንመላእ ኣፍሪካ ኩርዓት ኢዮም – ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ላይቤሪያ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ሚያዚያ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲ ቴክኖሎጂ ዘመዝገበቶም ዓወታት ንመላእ ኣፍሪካ ኩርዓት ኢዮም ኢለን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ላይቤሪያ ሳራ ቤይሶሎው፡፡

በተን ሚኒስትር ዝተመርሐ ልኡኽ ኣብ ፓርክ ኢንፎርሜሽ ቴክኖሎጂ ኢትዮጵያ ዑደት ኣካይደን።

እተን ሚኒስትር ኣብቲ እዋን ከምዝበለኦ÷ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲ ቴክኖሎጂ ዝተርኣዩ ለውጢታት ንመላእ ኣፍሪካ ኩርዓት ኢዮም።

ኢትዮጵያን ላይቤሪያ ዘለወን ክልተኣዊ ርክብ ናብ ዝለዓለ ደረጃ ንምስግጋር ዘለወን ድሌት ብምግላፅ÷ ብፍላይ ኣብ ዓውዲ ቴክኖሎጂ፣ ሕርሻን ትምህርቲን ብሓባር ብምስራሕ ተረባሕነት ክልቲኦም ህዝቢታት ምዕባይ ከምዝግባእ ኣገንዚበን።

ኣፍሪካ ዘለዋ ሰፊሕ ሓይሊ ሰብ ብፍላይ መናእሰይ ብግቡእ ንምጥቃም ኣብ ሞንጎ “ደቡብ-ደቡብ” ሃገራት ዘሎ ምትሕብባር ምጥንኻር ኣድላዪ ከምዝኾነ ሓቢረን።

ብብርኪ ኣፍሪካ ደረጃ ብሓባርን ብምውዳድን እንተተሰሪሑ እታ ኣህጉር ብልምዓት ምዕባይ ከምዝከኣል እውን ኣፅንኦት ሂበን።

እቲ ዑደት ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ርክብ ናብ ተግባራዊ ምሕዝነት ኢኮኖሚን ቴክኖሎጂን ዘሰጋግር ከምዝኾነ ግዜኢ ፀብፂቡ።

ብፕሬዚዳንት ላይቤሪያ ጆሴፍ ንዩማ ቦኣካይ ዝተመራ ልኡኽ ንዑደት ስራሕ ትማሊ ኣማሲዩ ናብ ኣዲስ ኣበባ ምእታዉ ይፍለጥ።

Comments (0)
Add Comment