ኢትዮጵያ ኣብ ፍርያት ስርናይ ዘርአየቶ ዕብየት ንሃገራት ኣፍሪካ ኣብነት ዝኸውን እዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 መስከረም፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ) ኢትዮጵያ ኣብ ፍርያት ስርናይ ኣብ ሓፂር እዋን ዘመዝገበቶ ውፅኢት ንካልኦት ሃገራት ኣፍሪካ ውሕስና ምግቢ ንምርግጋፅ ዓብዪ ኣብነት ምዃኑ ተሓቢሩ።

ኣብ ኣፍሪካ ዘላቒ ትራንስፎርሜሽን ስርናይ ንምቕልጣፍ፣ ቴክኖሎጂታት ንምስፍሕፋሕን ሃገራዊ ስርዓታት ዘርኢ ንምጥንኻርን ዝዓለመ ኣህጉራዊ ዓውደ መፅናዕቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይካየድ ኣሎ።

ኣብቲ ኣህጉራዊ ዓውደ መፅናዕቲ ኢትዮጵያ ኣብ ፍርያት ስርናይ ዘመዝገበቶ ውፅኢት ናእዳን ዝረኸበ እንትኸውን÷ ኣብቲ ዓውዲ ዝተረኽበ ውፅኢት ንሃገራት ኣፍሪካ ኣብነት ከምዝኸውን ተሓቢሩ።

እቲ መርሃ ግብሪ ማእከል ምርምር ሕርሻ ደረቕ ቦታታት ዓለም ለኸ ምስ ኢንስቲትዩት ምርምር ሕርሻ ኢትዮጵያ፣ ምስ ቴክኖሎጂታት ትራንስፎርሜሽን ሕርሻ ኣፍሪካን ባንኪ ልምዓት ኣፍሪካን ብምትሕብባር ዝተዳለወ እዩ፡፡

ኣብቲ መድረኽ ፖሊሲ ዘውፅኡ፣ ተመራማሪታት፣ ትካላት ዘርኢ፣ ኣካላት ተቆፃፀርቲ፣ ማሕበራት ሓረስቶትን መሓዙት ልምዓትን ተሳቲፎም።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ፍርያት ስርናይ ዝተረኽቡ ዓወት ንምግምጋምን ዘጋጠሙ ፀገማት ንምፍላይን ዘተ ይካየድ ኣሎ።

ኣብቲ ዓውደ መፅናዕቲ ኣብቲ ዘፈር ዘሎ ፅሩይ ዘርኢ ናይ ምርካብ ውስንነትን ካልኦት ፀገማትን ንምፍታሕ ዘኽእሉ አማራፂ ሓሳባት ከምዝረኣዩ ትፅቢት ይግበር።

ብታሪኩ ለገሰ

 

Comments (0)
Add Comment