ኢትዮጵያ እተካይዶ መረፃ ንሃገር ጥራሕ ዘይኮነስ ንኣህጉር እውን ወሳኒ እዩ – ኡሁሩ ኬንያታ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ግንቦት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ሓፈሻዊ መረፃ ኢትዮጵያ ንሃገር ጥራሕ ዘይኮነስ ንኣህጉር እውን ወሳኒ እዩ ኢሎም ነበር ፕሬዚዳንት ኬንያን ሓላፊ ትዓዛቢ መረፃ ሕብረት ኣፍሪካን ኡሁሩ ኬንያታ።
ሰኑይ ዝካየድ 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ንምዕዛብ ብኣቦ ወንበርነት ትዕዝብቲ መረፃ ሕብረት ኣፍሪካ ዝመርሑ ነበር ፕሬዚዳንት ኬንያን ኡሁሩ ኬንያታ ትማሊ ናብ ኣዲስ ኣበባ ከምዝኣተው ይዝከር።
ኡሁሩ ኬንያታ ኣብቲ እዋን ኣብ ዝሃብዎ ሪኢቶ፤ ኢትዮጵያ ንሕብረት ኣፍሪካ ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ትካላት መዕረፊት ዝኾነት ገዛና እያ ኢሎም፡፡
7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ኢትዮጵያ ነታ ሃገር ጥራሕ ዘይኮነስ ንኣህጉር እውን ወሳኒ ምዃኑ ብምግላፅ፤ ኣብ መንጎ ኣሓተይን ኣሕዋተይን ተረኺበ ነቲ መረፃ ክዕዘብ ብምኽኣለይ ሕጉስ እየ ኢሎም።
ብኣቤል ነዋይ
Comments (0)
Add Comment