ኢኮኖሚያዊ ኣስተዋፅኦኡ እናዓበየ ዝመፅእ ዘሎ ዓውዲ ኣፍራዪ ኢንዱስትሪ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ሰነ፣ 2018 ዓ.ም. (ኤፍ.ኤም.ሲ.)ዓውዲ ኣፍራዪ ኢንዱስትሪ ብሽግግር ቴክኖሎጂ፣ ብምፍጣር ዕድል ስራሕን ብምፍራይ ተካኢ ምህርቲን ንዕብየት ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ዓብዪ ኣስተዋፅኦ እናበርከተ ይርከብ።
እዚ ዓውዲ ምስ ግብርና፣ ማዕድን፣ ቱሪዝምን ዲጂታል ኢኮኖሚን ብምዃን ብሃገር በቆል ኢኮኖሚያዊ ምምሕያሽ ከም ሓደ ቀንዲ ዓንዲ ተለልዩ። በዚ መሰረት ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ዝተዋህቦ ጠመተ ዓበይቲ ውፅኢታት ከመዝግብ ኣኽኢልዎ እዩ።
መንግስቲ ነዚ ዓውዲ ብዝሃቦ ጠመተን በዝገበሮ ምትብባዕን ኣብዚ ዓመት ብዝተገበሩ ምምሕያሻት መጠን ኣጠቓቕማ ዓቕሚ ምፍራይ ካብ 46 ሚእታዊት ናብ 61.8 ሚእታዊት ክዓቢ ተኻኢሉ እዩ።
ከም እታዎት ፋይናንስን ቀረብ ሓይልን ዝኣመሰሉ ብድሆታት ንምፍታሕ ብዝተገበረ ፃዕሪ ድማ ኣብቲ ዓውዲ ዝድለ ውፅኢት ንምምፃእ ምቹእ መገዲ ተፈጢሩ እዩ።
ብጎስጓስ “ኢትዮጵያ ተፍሪ” ይሰርሑ ዝነበሩ ፋብሪካታት ዓቕሚ ምፍራዮም ከዕብዩ ካብ ምግባር ሓሊፉ ቅድም ክብል ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ተዓፅዮም ዝነበሩ 917 ኣፍረይቲ ኢንዱስትሪታት ከምብሓዱሽ ናብ ምፍራይ ንኽምለሱ ተገይሩ።
ዕብየት ዓቕሚ ምህርቲ ውሽጢ ሃገርን ሽግግር ቴክኖሎጂን ነቲ ዓውዲ ዝተገበረ ድጋፍ ብምጥንኻር፣ ፍሪያታት ውሽጢ ሃገር ብመጠንን ብፅሬትን ንኽዓብዩ ኣኽኢሉ። ኣብ’ዚ እዋን ድማ መጠን ዓቕሚ ምፍራይ ኢንዱስትሪታት 66.3 ሚእታዊት በፂሑ።
ብተወሳኺ ዓቕሚ ምፍራይ ንምዕባይ ኣብ መልላእ ሃገር ዝርከቡ ልዕሊ 26 ናይ መንግስቲን ዓውዲ ውልቀን ፓርክታት ኢንዱስትሪን ኢኮኖሚያዊ ዞባታትን ንውሽጢ ሃገርን ወፃኢ ዕዳጋን ዝውዕሉ ምህርቲታት ካብ ምፍራይ ሓሊፎም ብዙሕ ዕድል ስራሕ ፈጢሮም።
ኣብዚ እዋን ኣብ ዘፈር ኣፍረይቲ ኢንዱስትሪ ጥራይ ልዕሊ 350 ሽሕ ዜጋታት ዕድል ስራሕ ረኺቦም። ከምኡ እውን ንተካኢ ምህርቲ ብዝተዋህበ ጠመተ ቅድም ክብል ብቢልየናት ዶላር ካብ ወፃኢ ዝኣትዉ ዝነበሩ ምህርቲታት ኣብ ውሽጢ ሃገር ብዝፍረዩ ምህርቲታት ክትክኡ ተኻኢሉ።
ተሳትፎ ዓውዲ ውልቀ ንኽውስኽን ምቹእ ናይ ኢንቨስትመንት ሃዋህው ንኽፍጠርን ብዝተገበረ ፃዕሪ ተሳትፎ ናይ ውሽጢ ሃገርን ወፃኢን ኣፍረይቲ ኢንቨስተራት ብዓቢ መጠን ወሲኹ።
ብፍላይ ድማ ነቲ ዓውዲ ምቹእ መደላድል ንምፍጣር ዝተገበሩ ናይ ፋይናንስን ሕጋዊ ማዕቐፍን ምምሕያሻት ኣብ ዘፈር ኣፍራዪ ኢንዱስትሪ ዝማዕበለ ናይ ኢንቨስትመንት ሃዋህው ንኽፍጠር ኣበርክቶ ገይሮም እዮም።
ብሓፈሻ ዓውዲ ኣፍራዪ ኢንዱስትሪ ኣብ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ከም መንቀሳቐሲ ሞተር ኮይኑ እናገልገለ ይርከብ። ብሽግግር ቴክኖሎጂ፣ ምፍጣር ዕድል ስራሕን ምስፍሕፋሕ ተካኢ ፍሪያትን ንዕብየት ኢኮኖሚ ሃገርና ዓቢ ኣስተዋፅኦ እናበርከተ ይርከብ።
ብሚኪያስ ኣየለ
Comments (0)
Add Comment