ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ነሓሰ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣንፃር ህፃን ሃገርን ዝተሰለፉ ግዕዙያት ርግኣትን ድሕነት ስርዓት ፋይናንስን ማክሮ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ኣብ ሓደጋ ዘውድቑ ሱር ዝሰደዱ ገበናትን ዘይሕጋዊ ኣሰራርሓታትን ተራእዮም እዮም።
ሃገር በቆል ሪፎርም ኢኮኖሚ ንምትዕንቓፍን ዓቕሚ ትካላት ፋይናንስ ንምድኻምን ዝግበሩ ፈተነታት ሕዚ እውን ንቑሕ ትኹረት ዝሓቱ እዮም።
ብፍላይ ኣብ ፀሊም ዕዳጋን ዘይሕጋዊ ንግዲ ሓዋላን ኣብ መመሓየሺ ሃገር በቀል ሪፎርም ኢኮኖሚ ከቢድ ስግኣት ኮይኑ ፀኒኹ እዩ።
መንግስቲ ተመን ዋጋ ሸርፊ ወፃኢ ብዕዳጋ ንኽውሰን ዝገበሮ ለውጢ ንግዲ ወፃኢ ንምቅላልን ዘሕጋዊ ዝውውር ገንዘብ ንምግታእን ዝዓለመ እኳ እንተኾነ፤ ዝተወደቡ መርበባት ፀሊም ዕዳጋን ዘሕጋዊ ወኪላት ሓዋላን ሕዚ እውን ዕዳጋ ንምዝባዕ እናፈተኑ ከምዝርከቡ መፅናዕቲታት የርእዩ።
ብምዃኑ ድማ እቲ ተግባር ታራ ናይ ዕዳጋ መስተኻኸሊ ፈተና ዘይኮነስ ኣብ ህልውና ኢኮኖሚ ዘንፀላለወ ስግኣት እዩ፡፡
ብኻልእ መዳይ ገበናትን ፋይናንሳዊ ሳይበር ዘይተፈቐዱ ኣጠቓቕማ ክሪፕቶከረንሲን ዲጂታል ገንዘብን ኣብ ስርዓት ባንኪ ሓደሽቲን ዝተሓላለኹን ስግኣታት ፈጢሮም ኣለዉ።
ማዕቀፍ ሕጊ ዘይብሎምን ብብሄራዊ ባንኪ ዘይተፈቐዱን ዲጂታል ምንቅስቓሳት ገንዘብ ዘይሕጋዊ ዝውውር ገንዘብ (Capital Flight)ን ምፅራግ ገንዘብ (Money Laundering)ን ዝኣመሰሉ ገበናት ንኽስፋሕፉሑ ይገብሩ ኣለዉ።
እዚ ድማ ካብቲ ኣብ ልሙድ ኣሰራርሓ ባንኪ ዝፈጥሮ ጉድኣት ብላዕሊ ኣብ ፋይናንሳዊ ሉኣላውነትን ናይ ቁፅፅር ዓቕሚ ሃገርን ዝፈታተን ስለዝኾነ ፅኑዕ ቁፅፅር ሕጊን ቴክኖሎጂን የድሊ።
ካብ ንግዲ ወፃኢ ዝርከብ ኣታዊ ናብ ሃገር ዘይምእታውን ምሕባእ ሸርፊ ወፃኢን ኣብ ንግዲ ወፃኢ ኢትዮጵያ ከቢድ ፀቕጢ ፈጢሩ እዩ።
ላኣኽቲ ፍርያት ናብ ወፃኢ ልኢኾም ዝረኽብዎ ሸርፊ ወፃኢ ፃሩዕ ስርዓት ባንኪ ኣቢሉ ናብ ሃገር ኣብ ክንዲ ዝመልስዎ፤ ኣብ ወፃኢ ሃገራት ባንክታት ብምቕማጥን ኣብ ፃሊም ዕዳጋ ተዋፊሮም ይርከቡ።
እዚ ዘይሕጋዊ ተግባር ኢትዮጵያ ንስስልታዊ እታወታት፣ መድሓኒታትን ናይ ኢንዱስትሪ ጥረ ኣቕሑትን ዝኸውን ሸርፊ ወፃኢ ንኽትስእን ይገብር።
መንግስቲ ሃገር ንምድሓንን ኢኮኖሚ ካብ ዘይሕጋውያን ንምክልኻልን፤ እዞም ገበናት ንምቁራፅን ገበነኛታት ናብ ሕጊ ንምቕራብን ዝጀመሮም ስጉምትታት ሕጊ ምኽባር ኣጠናኺሩ ክቕፅሎም ይግባእ።