ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ግንቦት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) በዓል መዚ በይነ መንግስታት ልምዓት ምብራቕ ኣፍሪካ (ኢጋድ) ን7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት 26 ተዓዘብቲ መረፃ ኣዋፊረ ኢሉ።
ዳይሬክተር ዘፈር ሰላምን ድሕንነትን ኢጋድ ኮማንደር ኣበበ ሙሉነህ ከምዝበልዎ፤ ኣብ ኢትዮጵያ 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ዝዕዘቡ ኣካላት ተዋፊሮም።
ካብ ሴክሬታሪያት ኢጋድን ኣባል ሃገራትን ዝተውፃእፅኡ 26 ተዓዘብቲ ሰብ ሞያታት እቲ መረፃ ክዕዘቡ ምውፋሩ ኣፍሊጡ።
ተዓዘብቲ መረፃ ብመሰረት ሕብረት ኣፍሪካ ናይ መረፃ ተዓዘብቲ ደንቢ መሰረት ምስ ኣባል ሃገራት ቦርድ መረፃን ሲቪል ማሕበራት ትካላት፣ መናእሰይን ደቂ ኣንስትዮን ብቀጥታ ዝሰርሑ ሰብ ሞያታት ምዃኖም ተገሊፁ።