ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ሰነ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣምባሳደራትን ዲፕሎማሰኛታትን ዝተፈላለያ ሃገራት ኣብ ፕሮጀክት ዘላቒ ልምዓት ሓድጊታት ላሊበላ ዑደት ክገብሩ ኢዮም።
ብሚኒስትር ዴኤታ ቱሪዝም ስለሺ ግርማ ዝተመርሐ ጉጅለ ኣብ ከተማ ላሊበላ ዝኣተወ እንትኸውን፤ ተቐማጥነቶም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝገበሩ ኣምባሳደራትን ዲፕሎማሰኛታትን ዝተፈላለያ ሃገራት ኣብቲ ጉጅለ ይርከቡዎ።
እቲ ጉጅለ ኣብ ላሊበላ ኣብ ዝህልዎ ፃንሒት ውቑር ኣቢያተ ክርስቲያን ላሊበላንን ዝተፈላለዩ ቦታታትን ካብ ምዕዛቡ ሓሊፉ፤ ኣፈፃፅማ ፕሮጀክት ዘላቒ ልምዓት ሓድጊታት ላሊበላ ዝበፅሐሉ ደረጃ ክምልከት ኢዩ።
ፕሮጀክት ዘላቒ ልምዓት ሓድጊታት ላሊበላ ንበፃሕቲ ኣብ ዝኸውን ህንፀት መሰረተ ልምዓት ዘድህብ እንትኸውን ህፁፅ ፅገና ሓድጊታት ዘካትት ኢዩ።
ብኣለምሰገድ ኣሳዬ