ኣባላት ቤት ምኽሪ ሰላም ምፅናዕን መፍረያይነት ምድንፋዕን ቀዳማይ ተግባሮም ክኸውን ይግባእ – ፕሬዚዳንት ታዬ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 መስከረም፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣባላት ቤት ምኽሪ ሰላምን ድሕንነትን ምፅናዕ ከምኡ እውን መፍረያይነት ብዝበለፀ ምድንፋዕን ቀዳማይ ተግባሮም ክኸውን ይግባእ ኢሎም ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀ ስላሴ፡፡

7ይ ዘበን ስራሕ 1ይ ዓመት ሓበራዊ ስሩዕ ኣኼባ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢን ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽንን ፌዲሪኢ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ሓዊሱ ተመረፅቲ ኣባላት ክልቲኦም ኣቢያተ ምኽሪ ኣብ ዝተረኸቡሉ ይካየድ ኣሎ።

ፕሬዚዳንት ታዬ ኣብ ዘስምዑዎ መኽፈቲ መደረ÷ ኩለመዳይ ምድላው ኣባላት ቤት ምኽሪ ዝመረፆም ህዝቢ ዝሃቦም ሓደራ ዝምጥን ጥራሕ ዘይኮነስ ናብ ልዑል ብራኸ ምዕራፍ ዘሰጋግር ክኸውን ይግባእ ኢሎም።

ስለዝኾነ ድማ ኣባላት እቲ ቤት ምኽሪ ቀዳማይ ትኹረት ሰናይ ምምሕዳር ዘዘምን፣ ኢኮኖሚ ሃገር ብዝበለፀ ክብ ዘብል መፍረያይነት ዘደንፍዕ ክኸውን ይግባእ ኢሎም።

ካብዚ ብተወሳኺ ምኽባር ናብራ ዝቆፃፀር፣ ዘፈራት መሰረተ ልምዓት ብስፍሓት ዝዝርግሕን ሰላምን ድሕንነትን ህዝቢ ዘፅንዕን ክኸውን ኣሎዎ ክብሉ ኣፅንኦት ሂቦም።

ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ንምዕባይ ዝተወስዱ ስጉምትታት፣ ንቐፃሊ ኣፈፃፅማ ድልዱል መሰረት ዝኾኑ ምዃኖም ኣመልኪቶም።

ንኣብነት እውን ስርዓት ሕርሻ ኢትዮጵያ ንምምሕያሽ ኣብ ስራሕ ዝወዓሉ ሓደሽቲ ቴክኖሎጂታትን መሰረተ ልምዓት መስኖን፣ ስራሕቲ መዓድን፣ ምጥንኻር መብፅሒታት ቱሪዝምን ዕቤት መሰረተ ልምዓት ዲጂታልን ፀሪሖም።

ኣብ ዝተፈላለዩ ዘፈራት ዓቕሚን ልምዲን ኣፈፃፅማ ብምምዕባል ብሓባራዊ ስራሕ መንግስቲን ህዝቢን ዝፍፀሙ ፕሮጀክታትን መደባትን ዝያዳ ውፅኢታውያን እናኾኑ ይመፁ ከም ዘለዉ ኣብሪሆም።

መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ሽፋን ደኒ ሃገርና ዕዙዝ ብዝኾነ መገዲ ከምዝወሰኸን ልምዓት ኮሪደር ድማ ኣብ ሓፂር እዋን ዘደንቕ ለውጢ ከምዘምፀአን ኣዘኻኺሮም።

እዚኦምን ተመሳሰልቲ ስራሕቲን ካብ ብዙሓት ኣካላት ናእዳ ዝረኸቡን ብብረኪ ዓለም ከም ኣብነት ዝፅርሑን ዓወታት ምዃኖም ኣልዒሎም።

#ኢትዮጵያ #ዓባይሃገር #ዓብዪህዝቢ #ዓብዪራኢ

ብመላኩ ገድፍ

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment