ኣባይናን ቀይሕ ባሕሪን ንኩለመዳይ ልምዓትን ዞባዊ ምትእስሳርን ኢትዮጵያ ዘረጋግፁ መሰረታት እዮም – ሃብታሙ ኢተፋ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ነሓሰ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣባይን ቀይሕ ባሕሪን ኩለመዳይ ልምዓትን ዞባዊ ምትእስሳርን ኢትዮጵያ ዘረጋግፁ መሰረታት እዮም ኢሎም ሚኒስትር ማይን ኢነርጂን ሃብታሙ ኢተፋ (ዶ/ር)።

እቶም ሚኒስትር፤ ኣባይን ቀይሕ ባሕሪን መፃኢ ዕድል ኢትዮጵያ ንነዊሕ እዋን እናወሰኑ ከም ዝፀንሑ ኣዘኻኺሮም።

ህልውና ኢትዮጵያውያን ምስዞም ማያዊ ኣካላት ማይ ልዑል ምትእስሳር ከም ዘለዎ እውን ኣስሚሮምሉ።

ኢትዮጵያ ንኣባይ ከይተልምዕን ከይትጥቀመሉን ሓይልታት ወፃኢ ብዝተፈላለዩ መገዲታት ፃዕሪፃናገበሩ ከምዝፀንሑ ዝፀርሑ እቶም ሚኒስትር፤ ብተመሳሳሊ ብውዲት ካብ ቀይሕ ባሕሪ ክትርሕቕ ብምግባር ኢትዮጵያውያን ብዙሕ ዋጋ እናኸፈሉ ከም ዝፀንሑ ገሊፆም።

ኢትዮጵያውያን ብግድብ ህዳሰ ኣቢሎም ንዘመናት ክምነይዎ ካብ ዝፀንሑ ሕልምታት ሓደ ከም ዘዕወቱ ዝሓበሩ ሃብታሙ ኢተፋ (ዶ/ር)፤ እዚ ድማ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያውያን ክወርድ ዝፀንሐ ፀቕጢ ንምስባር ዘኽኣለ ዓወት ምዃኑ ኣልዒሎም።

ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ እታ ሃገር እናተገበሩ ንዝነበሩ ውዲታት ከትርፍ ዝኸኣለ መግለፂ ኩርዓት ኢትዮጵያውያን ዝኾነ ፕሮጀክት ከምዝኾነ ኣብሪሆም፡፡

እቲ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ልዕሊ ሃገር ንነዊሕ እዋን ክግበሩ ዝጸንሑ ውዲታት ንምውጋድ ዝኸኣለን መግለጺ ኩርዓት ኢትዮጵያውያን ዝኾነ ፕሮጀክት ምዃኑ ኣዘኻኺሮም።

ኢትዮጵያ ብዝተፈላለዩ ውዲታትን ተንኮላትን ቀይሕ ባሕሪ ክትስእን ድሕሪ ምግሩ፤ እዚ ጉዳይ ምልዓል ዘይፍቀድን ካልእ ስም ዘውህብን ከም ዝነበረ ገሊፆም።

ኢትዮጵያ ሕዚ ኣብ ዘላትሉ እዋን ብሰላማዊ መንገዲ በሪ ባሕሪ ናይ ምውናን መሰል ክረክብ ኣለኒ ኢላ ዘቕረበቶ ሕቶ ልዑል ቆራፅነት ኣመራርሓ ዝተረኣየሉ ምዃኑ እውን ኣመልኪቶም።

ጉዳይ ቀይሕ ባሕሪ ጉዳይ መንግስቲ ወይ ናይ ሓደ ፖለቲካዊ ውድብ ዘይኮነስ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ዝሰጋገር ስራሕ ምዃኑ ዝገለፁ እቶም ሚኒስትር፤ ኣባይን ቀይሕ ባሕሪን ንሓፈሻዊ ልምዓትን ዞባዊ ምትእስሳርን ኢትዮጵያ ዘረጋግፁ መሰረታት ከምዝሖኑ ኣልዒሎም።

ከምኡ እውን ኣብ ከባቢ ቀይሕ ባሕሪ ዝረኣዩ ዓለም ለኻዊ ጂኦ ፖለቲካዊ ውድድራትን ስግኣታት ድሕንነት ባሕሪን ንምንካይ ከም ዘኽእላ ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ።

ኢትዮጵያውያን ኣብ ዓብዪ ግድብ ሕዳሰ ዘርአዩዎ ሓድነት ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ክደግሙዎ ከምዘለዎም እውን ኣገንዚቦም፡፡

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment