ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ህንድን ዘሎ ጥቡቕ ርክብ ብምትሕብባር ንምስራሕ ልዑል ረብሓ ኣለዎ – ኣይተ መሓመድ እድሪስ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 መስከረም፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ) ሚኒስትር ሰላም መሓመድ እድሪስ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ህንድን ንዘበናት ዝቐፀለ ጥቡቕ ርክብ ብምትሕብባር ንምስራሕ ልዑል ረብሓ ኣለዎ ኢሎም።

እቶም ሚኒስትር ንበዓል መስቀል ናብ ኢትዮጵያ ዝኣተዉ ፓትርያርክ ማላንካራ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን ህንዲ ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ባስልዮስ ማርቶማ ማቴዎስ 3ይ ኣብ ቤት ፅሕፈቶም ተቐቢሎም ኣዘራሪቦም።

ኣይተ መሓመድ እድሪስ ኣብቲ እዋን ከምዝበልዎ፤ ኣብ መንጎ ህዝብታትን ኣብያተ ክርስቲያናትን ክልቲኦም ሃገራት፣ ንዘበናት ዝቐፀለን ሰላማዊ ሓባራዊ ህይወት ዘጉልሕን ጥቡቕ ርክብ ኣሎ።

እዚ ንዓለም ኣብነት ዝኾነ ጥቡቕ ርክብ ብምትሕብባር ንምስራሕ ልዑል ረብሓ ኣለዎ ክብሉ ገሊፆም፡፡

ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ባስልዮስ ማርቶማ ማቴዎስ 3ይ ብወገኖም፤ ኣብ ቅዱሳት መፃሕፍቲ ብተደጋጋሚ ዝተገለፀት ታሪኻዊት ኢትዮጵያ ብምምፅኦም ሓጎስን ክብርን ከምዝተሰምዖም ገሊፆም።

እዚ ርክብ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ኣብያተ ክርስቲያናትን ከምኡውን ኣብ መንጎ ክልቲኦም ሃገራትን ንዝህሉ ዓብዩ ናይ መፃኢ ተስፋ መረጋገፂ ምዃኑ ምግላፆም ሓበሬታ ሚኒስቴር ሰላም የመልክት።

 

Comments (0)
Add Comment