ኣብ መንጎ ኣፍሪካን ፈረንሳይን ሓድሽ ምዕራፍ ዝኸፈተ ጉባኤ ፎርዋርድ ኣፍሪካ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ግንቦት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ጉባኤ ፎርዋርድ ኣፍሪካ ኣብ መንጎ ኣፍሪካን ፈረንሳይን ዘሎ ርክብ ንምጥንኻር ልዑል ግደ የበርክት ኣሎ፡፡
ጉባኤ ፎርዋርድ ኣፍሪካ 2026 ብፕሬዚዳንት ፈረንሳይ ኢማኑኤል ማክሮንን ብፕሬዚዳንት ኬንያ ዊሊያም ሩቶን ብሓባር ኣዳልዮም፡፡
እቲ ጉባኤ ኣብ መንጎ ኣፍሪካን ፈረንሳይን ሓድሽ ምዕራፍ ምትሕብባር ንምጅማር ዝዓለመ እዩ።
እቲ ጉባኤ መራሕቲ ሃገራት፣ ዓለም ለኸ ትካላት፣ ሰብ ሃፍትን መሻርኽቲ ልምዓትን ብምትእኽኻብ ኣብ ዘላቒ ልምዓት ኣፍሪካ ሰፊሕ ዘተ ኣካይዶም።
እቲ ጉባኤ ኣብ ዘላቒ ምስግጋር ሓይሊ፣ ሓምለዋይ ኢንዱስትሪ፣ ዲጂታላዊ ትራንስፎርሜሽን፣ ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ፣ ውሕስነት ምግቢ፣ ጥዕና፣ ዘላቒ ልምዓት ሕርሻ፣ መሰረተ ልምዓት፣ ፈጠራን ዕብየትን ዘተኮረ እዩ።
ጉባኤ ፎርዋርድ ኣፍሪካ ሽርክነት ንምጥንኻር፣ ዘላቒን ንኹሉ ዝሓቁፍን ዕብየት ንምድጋፍ ዝዓለመ እንትኾን ካብ ኢኮኖሚ ምዕባለ ክሳብ ዓለም ለኸ ምሕደራ ንዘጋጥሙ ብድሆታት ጭቡጥ ኣንፈት ፍታሕ ንምሃብ ዝዓለመ እዩ።
Comments (0)
Add Comment