ኣብ ቀዳማይ ቁልዕነት ትኹረት ሂብካ ምስራሕ ጥዑይን ሓላፍነት ዝስምዖን ወለዶ ንምህናፅ ወሳኒ እዩ – ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ቀዳማይ ቁልዕነት ትኹረት ሂብካ ምስራሕ ጥዑይ፣ ብቑዕን ሓላፍነት ዝስምዖን ወለዶ ንምህናፅ ወሳኒ እዩ ኢለን ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ።

ፎረም ከንቲባታት ከተማታት ኣፍሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይካየድ ኣሎ።

ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብቲ እዋን ከምዝበለኦ፤ መንግስቲ ስራሕቲ መሰረተ ልምዓት እታ ከተማ ምስ ዕቤትን ድሕንነትን ህፃናት ብምትእስሳር ይሰርሕ ኣሎ።

ኣዲስ ኣበባ ንመፃኢ ወለዶ ምቹውቲ እናኾነት ትህነፅ ዘላ ናይ ኣፍሪካውያን ከተማ ምዃና ብምሕባር፤ ናይ ባዕላ እቶት ብግቡእ ክትእክብ ምኽኣላን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት እቶት ናይ ምእካብ ዓቕማ ብ50 ሚእታዊ እናወሰኸ ከም ዝመፅአን ገሊፀን።

መራሕቲ ኣፍሪካ ካብ ናይ ሓድሕዶም ተመኩሮ ብምምሃር ለውጢ ከተማታቶም ከቀላጥፉን ንዜጋታቶም ምቹዋት ዝኾና ከተማታት ክፈጥሩን ከም ዝግባእ እውን ኣገንዚበን።

ኣብቲ ፎረም ልዕሊ 55 ከንቲባ ከተማታት ኣፍሪካ ከምኡ እውን ልዕሊ 15 ከንቲባ ከተማታት ውሽጢ ሃገር ይሳተፉ ኣለዉ።

#ኢትዮጵያ #ዓባይሃገር #ዓብዪህዝቢ #ዓብዪራኢ

Comments (0)
Add Comment