ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ሕዳር፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ክልል ትግራይ እናተኻየደ ዝርከብ ከይዲ ዳግመ ምጥያሽን ተሃድሶን ነበር ዕጡቓት ንዘላቒ ሰላምን ኢኮኖሚያዊ ልምዓትን እቲ ክልል መሰረት እዩ ኢሎም ኣምባሳደራት ዴንማርክን ስዊድንን ኣብ ኢትዮጵያ።
እቶም ኣምባሳደራት ኣብቲ ክልል ዝርከብ ማእኸል ተሃድሶ ኣብ ዝበፅሑሉ እዋን ኣብቲ ማእኸል ይወሃቡ ዘለዉ ኣገልግሎታት ዝተዓዘቡ እንትኾኑ፤ ምስ ነበር ዕጡቓት እውን ተዛቲዮም።
ኣብቲ እዋን ዑደት ኣምባሳደር ዴንማርክ ኣብ ኢትዮጵያ ሱኔ ክሮግስትሩፕ፤ ኣብ ክልል ትግራይ ኢኮኖሚያዊ ልምዓት ንምጅማር ሰላም ቀዳምነት ክወሃቦ ዝግባእ ጉዳይ ምዃኑ ተዛሪቦም።
እቶም ኣምባሳደር ምስ ነበር ዕጡቓት ኣብ ዝገበርዎ ዘተ፤ ዕጡቓት ንጎንፂን ኲናትን ብምሕዳግ መገዲ ሰላም ምምራፆምን ንጡፋት ኣፍረይቲ ኣባላት ማሕበረሰብ ንምዃን ምውሳኖምን ንመፃኢ ዕድል እቲ ክልል ኣዝዩ ወሳኒ ምዃኑ ኣገንዚቦም።
ኣምባሳደር ስዊድን ኣብ ኢትዮጵያ ማግኑስ ሌናርትሰን ብወገኖም፤ ኣብቲ ማእኸል ይካየዱ ዘለዉ ስራሕቲ ስፍሓትን ኣቀራርባ ኣገልግሎትን ዝነኣድ ምዃኑ ገሊፆም።
ስዊድን ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ንዝካየድ ዘሎ ከይዲ ተሃድሶ ናይ ነዊሕ እዋን መሻርኽቲ ብምዃና ከም እትሕበን ዝገለፁ እቶም ኣምባሳደር፤ እቲ ዑደት ብዛዕባ መፃኢ ተስፋ እቲ ክልልን ዘለዎ ዓሚቕ ዓቕሚ ሰብኣዊ ሃፍቲን እወንታዊ ርኢቶ ከምዝፈጠረሎም ኣመልኪቶም።
ካብዚ ብተወሳኺ ስዊድን ኣብ ክልል ትግራይ ቀፃሊ ዝኾነ ምርግጋእ፣ ሰላምን ምእባለን ንምህናፅ እትገብሮ ተሳትፎ ኣጠናኺራ ከም እትቕፅል ምርግጋፆም ግዜኢ ፀብፂቡ።