ጉዕዞ ሓዱሽ ህይወት ነበር ዕጡቓት

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ሕዳር፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ክልል ትግራይ ነበር ዕጡቓት ካብ ዕጥቃዊ ቃልሲ ናብ ሰላማዊ ህይወት ብምስግጋር ኣብ መፍረያይነት ምንቅስቓስ ልምዓት ንኽሳተፉ ምግባር ንኢኮኖሚያዊ ዕቤት እቲ ክልል ኢሉ እውን ነታ ሃገር ወሳኒ እዩ።

እዚ ድማ ነበር ዕጡቓት ስልጠና ተሃድሶን ዳግመ ምጥያሽን ወሲዶም ሓዱሽ ኣንፈት ህይወት ንኽሕዙ፣ ሞያን ክእለትን ንኽረኽቡ፣ ዕድል ስራሕ ንኽፈጥሩን ከም ካልኦት ዜጋታት ኣብ ሃገራዊ ልምዓት ንኽሳተፉን ናይ ምኽኣል ዕድል እዩ።

መንግስቲ ፌደራል፣ ስልጠና ዝወሰዱ ነበር ዕጡቓት ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወፃኢ ሃገራትን ካብ ዘለዉ ዕድላት ስራሕ ተጠቀምቲ ንኽኾኑ ምስ ዝምልከቶም ትካላትን ኣካላትን ብምትሕብባር ይሰርሕ ኣሎ።

ብፍላይ ኣብ ስልጠና ሞያ፣ ምምሕያሽ ክእለትን ምትእስሳር ምፍጣርን ነበር ዕጡቓት ዘለዎም ዓቕሚ ናብ መፍረያይነት ንኽቕይሩ ንምሕጋዝ ድሉው እዩ።

እዚ ድማ እቲ ከይዲ ተሃድሶ ካብ ግዝያዊ ሓገዝ ሓሊፉ ዘላቒ መሰረት ናብራ ዝድርብ እንትኸውን፤ ምፍጣር ዕድላት ስራሕ እውን ኢኮኖሚያዊ ናፅነት እቶም ሰልጠንቲ ካብ ምጥንኻር ሓሊፉ ምስ ማሕበረሰብ ንኽፅንበሩ፣ ኣብ ርእሶም እምነት ንኸሕድሩን ህንፀት ሰላም ንኽጠናኸርን ይሕግዝ።

ኣብቲ ክልል ስልጠና ዝዛዘሙ 7ሺ ነበር ዕጡቓት ሓዊሱ ልዕሊ 63 ሺሕን 500 ሰልጠንቲ ካብቲ ከይዲ ተሃድሶ ተጠቀምቲ እንትኾኑ፤ ንስራሕን ህንፀት ዓቕሚን 7 ነጥቢ 3 ቢልየን ብር፣ ንምግቢን ክዳውንቲን ድማ 1 ነጥቢ 5 ቢልየን ብር ወፃኢ ተገይሩ እዩ።

ስልጠና ፈጠራ ስራሕ፣ መበገሲ ካፒታል፣ ኣገልግሎት ልቓሕን ቴክኒካዊ ሓገዝን ብምቕራብ፤ ተሃድሶ ዝዛዘሙ ዜጋታት ናይ ባዕሎም ንግዲን መፍረያይነት ዘለዎ ኢኮኖሚያዊ ምንቅስቓስን ንኽጅምሩ ምኽኣል ሓደ ካብ ቀንዲ ኣንፈታት ትኹረት መንግስቲ እዩ።

ኣብ ወፃኢ ሃገራት ዘለዉ ዕድላት ስራሕ ምስፋሕ እውን ካልእ ኣማራፂ እንትኸውን፤ እዚ ድማ ብሕጋዊን ብዝተወደበን ስርዓት ምልመላ ስራሕ፣ ብምርግጋፅ ብቕዓት ቋንቋን ሞያን ከምኡ እውን መሰላትን ድሕንነትን ሰራሕተኛታት ብዝሕልዉ ስምምዓት ኣቢሉ ዝፍፀም እዩ።

እቲ ከይዲ ተሃድሶ ኣብ ርእሲ ስነ-ኣእምሮኣዊ ሓገዝን ኣገልግሎት ጥዕናን፣ ተቐባልነት ማሕበረሰብን ምጥንኻር ማሕበራዊ ምትእስሳርን እውን የጠቓልል። ብምኽንያት ጎንፂ ዝሓርፈፉ ርክባት ምሕዳስ፣ ኣብ መንጎ ማሕበረሰብን ነበር ዕጡቓትን እምነት ምህናፅ ከምኡ እውን ባህሊ ሓቢርካ ብሰላም ምንባር ምጥንኻር፣ ንዘላቒ ውፅኢት እቲ ስልጠና ወሰንቲ መሰረታት እዮም።

#ኢትዮጵያ #ዓባይሃገር #ዓብዪህዝቢ #ዓብዪራኢ

Comments (0)
Add Comment