ልኡኽ ሕቡራት መንግስታትን ኣምባሳደራት ዝተፈላለያ ሃገራትን መቐለ ኣብ ዝርከብ ማእኸል ተሃድሶ ዑደት ገይሮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ሕዳር፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ልኡኽ ሕቡራት መንገስታትን ኣምባሳደራት ዝተፈላለያ ሃገራትን ኣብ ክልል ትግራይ ከተማ መቐለ ኣብ ዝርከብ ማእኸል ስልጠና ተሃድሶን ዳግመ ምጥያሽን ነበር ዕጡቓት ዑደት ገይሮም።

እቶም ልኡኻት ኣብታ ከተማ ምስ ኣመራርሓ በዓል ሓደራ ምምሕዳር ክልል ትግራይን መራሕቲ ሃይማኖትን ብምዃን፤ ኣብቲ ክልል ዘሎ ሓፈሻዊ ኩነታትን ኣብ ዝተፈላለዩ ማሕበራዊ ጉዳያትን ዘድሀበ ዘተ ኣካይዶም እዮም።

ብሄራዊ ኮሚሽን ተሃድሶ ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ትግራይ ተቛሪፁ ዝፀንሐ ከይዲ ምፍታሕ ዕጥቂን ዳግመ ምጥያሽን ዳግም ካብ ዝተጀመረሉ እዋን ጀሚሩ 47 ሺሕ ነበር ዕጡቓት ቅድመ ምዝገባ ኣካይዱ እዩ።

ቅድመ ምዝገባ ካብ ዝተኻየደሎም 47 ሺሕ ነበር ዕጡቓት፣ 7 ሺሕ መመዘኒታት ብምምላእ ኣብ ማእኸላት ተሃድሶ ስልጠና ወሲዶም።

ብግዛቸው ግርማዬ

#ኢትዮጵያ #ዓባይሃገር #ዓብዪህዝቢ #ዓብዪራኢ

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment