ኣብ ኢትዮጵያ ዝህነፅ መፈልፈሊ ሓይሊ ኒውክሌር ጠመተ ዝገበረ ዘተ ተኻይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 መስከረም፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ኢትዮጵያ ዝህነፅ ፕሮጀክት መፈልፈሊ ሓይሊ ኒውክሌር ምድላውን ቀፃሊ ኣንፈታት ትግበራን ፀመተ ዝገበረ ዘተ ተኻይዱ።

ኮሚሽነር ኒውክሌ ሓይሊ ኢትዮጵያ ኣብርሃም በላይ (ዶ/ር) ምስ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢን ሓለፍቲ ስራሕ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትርን ተዛትዮም።

ኣብቲ ዘተ ኣብታ ሃገር ክህነፅ ተወጢኑ ዘሎ ፕሮጀክት መፈልፈሊ ሓይሊ ኒውክሌር  ጋህዲ ንምግባር ዘኽእሉ ክልተኣዊ ስምምዓት ንምድላውን ቀፃሊ ኣንፈታት ትግበራን ብዝምልከት ዘተ ተኻይዱ።

በዙይ መሰረት እቲ ፕሮጀክት ብብቕዓት ናብ ተግባር ንምውራድ ዘኽእሉ ሃገራዊ ምትእስሳራት ኣጠናኺርካ ንምቕፃል ብዛዕባ ዝከኣል ኣገባብ ኣንፈት ተቐሚጡ።

እዚ መድረኽ ንውሕስነት ኢነርጂ እታ ሃገር ንምርግጋፅን ኣብዚ ዘፈር ሃገራዊ ዓቕሚ ንምህናፅ ዘኽእሉ ስትራቴጂካውን ዲፕሎማስያውን ምንቅስቓሳት ብዝያዳ ንምቅልጣፍ ዝዓለመ ምዃኑ ተገሊፁ።

Comments (0)
Add Comment