ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ነሓሰ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ዘሰናደኦ ኣብ ኢኒሼቲቭ 5 ሚልዮን ኢትዮጵያውያን ኮደራት ዘድሀበ መርሃ ግብሪ ልውውጥ ተሞክሮ ተኻይዱ።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) መናእሰይ ናብ 5 ሚልዮን ኢትዮጵያውያን ኮደራት ኢኒሼቲቭ ክፅንበሩን እዋን ክረምቲ ቅድሚ ምዝዛሙ ቁፅሪ ተሳተፍቲ ናብ 7 ሚልዮን ንምብፃሕ ሃገራዊ ፃውዒት ምቕራቦም ይዝከር።
ፃውዒት ቀዳማይ ሚኒስትር ስዒቡ ዝተኻየደ መርሃ ግብሪ ልውውጥ ልምዲ መራሕቲ እቲ ዓውዲን ሓንፀፅቲ ፖሊሲን፣ ምስክር ወረቐት ዘለዎም ተመረቕቲ እቲ ኢኒሼቲቭ መናእሰይ ሰብ ሞያን ብሓደ ዘራኸበ እዩ።
ተሳተፍቲ ተሞክሮኦምን ኣረኣእያኦምን ኣብቲ መድረኽ ከካፍሉ ዕድል ብምፍጣር ኣብቲ መርሃ ግብሪ ንልምዓት ተግባራዊ ዲጂታል ክእለት ኣቢሉ ንዲጂታል ኢትዮጵያ 2030 ዕብየት ኣጀንዳ ናይ ባዕሉ ኣስተዋፅኦ ኣርኪቱ እዩ።
ሓላፊት ፕሬስ ሴክሬታሪያት ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ቢልለኔ ስዩም ኣብቲ እዋን ከምዝበለኦ፤ ናይ ቴክኒክን ዲጂታልን ክእለት መማእሰይ ወሳኒ ሃገራዊ ሃፍቲ እዩ።
ኣብዚ እዋን ክረምቲ ቁፅሪ ኮደራት ናብ 7 ሚልዮን ንምብፃሕ ብቀዳማይ ሚኒስትር ዝቐረበ ፃውዒት ተግባራዊ ይኸውን ከምዘሎ ኣረጋጊፀን።
እቲ መርሃ ግብሪ ኣብ ሰብ ስራሕ ብልሒ ዘድሀበ ዑደት ኤግዚቪሽን ዝተኻየደ እንትኸውን፤ ኣብ ዝተኻየደ ፓነል ዘተ ድማ ኣርባዕተ ሰብ ሞያ ብዛዕባ እቲ ኢኒሼቲቭ ተሞክሮኦምን ኣረኣእያኦምን ኣካፊሎም።
እቲ ልውውጥ ልምዲ፤ ኢኒሼቲቭ 5 ሚልዮን ኢትዮጵያውያን ኮደራት ዲጂታል ክእለት ንምዕባይን ሃገራዊ ለውጢ ንምቅልጣፍን ዘለዎ ዓቢይ ግደ ዘረጋገፀ ኮይኑ እዩ።