ኣብ ኣከተማ ዲስ ኣበባ ልዕሊ 1 ነጥቢ 3 ሚልን ተማሃሮ ትምህርቲ ጀሚሮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 መስከረም፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣባባ ኣብ ዓመተ ትምህርቲ 2019 ልዕሊ 1 ነጥቢ 3 ሚልየን ተማሃሮ ትምህርቶም ጀሚሮም ኢሉ ቢሮ ትምህርቲ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ።

እቲ ቢሮ ንፋና ዲጂታል ከም ዝገለፆ፤ ንኣቢያተ ትምህርቲ ምቹው ናይ ምግባርን እታወታት ትምህርቲ ምዝርጋሕን ስራሕቲ ኣብ እዋን ክረምቲ ተዛዚሞም።

ምስ ኣመራርሓ ትምህርቲ መዳርግቲ ኣካላት ብምዃን ኣፈፃፅማ ዓመተ ትምህርቲ 2018 ብምግምጋም ውፅኢቱ መሰረት ብምግባር ዓመተ ትምህርቲ 2019 ትኹረት ዝደልዩ ስራሕቲ ኣንፈት ከም ዝተቐመጠ ገሊፁ።

ቅድሚ ምጅማሩ ዝርገሐ እታወታት ትምህርቲ ከም ዝተዛዘመ ብምግላፅ፤ ንተማሃሮ ዝዳሎ ዩኒፎርም፣ ናይ ፅሕፈት መሳርሒታትን መፃሕፍቲ መማሃሪን ምዝርጋሕ ኣብ እዋን ሓጋይ ከም ዝተዛዘመ ኣመልኪቱ።

ካብዚ ብተወሳኺ ንተማሃሮ ደቂ ኣንስትዮ ናውቲ መሕለዊ ፅሬት ፍሉይ ትኹረት ከም ዝተውሃቦ ብምፅራሕ፤ 4 ጳጉሜን 2018 ዓ.ም ናይ ፅሬት መሓለዊ ኣቕሑ ንደቂ ኣንስትዮ ተማሃሮ ከም ዝተዘርግሐ ገሊፁ።

ኣብ እዋን ክረምቲ ንብሉፃት 30 ተማሃሮ መጠናኸሪ ትምህርቲ ክወሃብ ከም ዝፀንሐ ብምዝኽኻር፤ ካብ ሎሚ 6 መስከረም 2019 ዓ.ም ጀሚሩ ንተማሃሮ 12 ክፍሊ ስትራቴጂ ምምሕያሽ ውፅኢት ተግባራዊ ምግባር ከም ዝጀመረ ኣመልኪቱ።

ተምሃሮ ዝሐሸ ውፅኢት ንኸመዝግቡ ንግሆ ቅድሚ ትምህርቲ፣ ድሕሪ ትምህርቲ፣ ከምኡ እውን ቀዳምን ሰንበትን ናይ ምምሕያሽ ውፅኢት መጠናኸሪ ትምህርቲ ከም ዝወሃቦም ገሊፁ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ንዝርከቡ ተማሃሮ፤ ሓዱሽ ዓመተ ትምህርቲ ዕዉት ንኽኸውን መልእኽቲ ሰናይ ትምኒቶም መግላፆም ይዝከር።

“መንእሰይ ትውልዲ ንኢትዮጵያ ዓብዪ ሃብቲ ስለዝኾነ ምጅማር ዓመተ ትምህርቲ 2019 ስዒቡ ነፍሲ ወከፍ ተማሃራይ ንዝለዓለ ፍልጠት ብትግሃትን ተገዳስነትን ትምህርቱ ክከታተል፣ ንፅቡቕ ውፅኢት ብፅንዓት ክፅዕር፣ ከምኡ እውን ንመፃኢ ዕድል ሃገርና ንምቕራፅ ዘኽእሉ ክእለታት ክሃንፅ የበረታትዕ” ኢሎም።

ብቴዎድሮስ ሳህለ

Comments (0)
Add Comment