ኣብ ኣዲስ ኣበባን ከባቢኣን ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ ንዘይተወሰነ እዋን ዝኾነ ዓይነት ድሮን ንምብራር ፍቓድ ኣይወሃብን – ብሄራዊ ኣገልግሎት ሓበሬታን ድሕንነትን

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 መስከረም፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ኣዲስ ኣበባን ከባቢኣን ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ ንዘይተወሰነ እዋን ዝኾነ ዓይነት ድሮን ንምብራር ፍቓድ ኣይወሃብን ኢሉ ብሄራዊ ኣገልግሎት ሓበሬታን ድሕንነትን።

ብሄራዊ ኣገልግሎት ሓበሬታን ድሕንነትን ኣብ ኣጠቓቕማ ድሮናትን ካልኦት ተመሳሰልቲ በረርቲ ኣካላትን ዝምልከት ዕላዊ ኣብ ዝገበሮ መተሓሳሰቢ፤ ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ ንዘይተወሰነ እዋን ኣብ ኣዲስ ኣበባን ከባቢኣን ዝኾነ ዓይነት ድሮን ንምብራር ፍቓድ ከም ዘይወሃብ ኣፍሊጡ።

እቲ ኣገልግሎት ቤት ዕዮ ከም ዘመልከቶ፤ ከም ቀደሙ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ከባቢኣን ዝንቀሳቐሱ ድሮናትን ካልኦት ተመሳሰልቲ በረርቲ ኣካላትን ዝቆፃፀር ዝተዋሃሃደ ቴክኖሎጂ ፀረ-ድሮን ብምጥቃም ክትትልን ቁፅፅርን እናተኻየድ ይርከብ።

ነቲ ዝወፅአ መተሓሳሰቢ ብምጥሓስ ዝበርራ ድሮናት፣ ከምኡ እውን ኣብ ዝኾነ ከባቢን ብራኸን ዝበርራ ድሮናት ብምፍላይ፣ ብምጥላፍን ናብ ኣድላዪ ቦታ ብምውራድን፣ ከምኡ እውን ትኽክለኛ መርከቢ ቦታ እተን ድሮናት ብምልላይን ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ብምውዓልን ሕጋዊ ስጉምቲ ክውሰድ እዩ።

ቅድሚ ሕዚ ብምኽንያት ስራሕ ድሮናት ክጥቀሙ ዝደልዩ ኣካላት፤ ዕላማ በረራ፣ ቦታ በረራ፣ ዓይነት ድሮንን ቁፅሪ ሞዴልን ብምፅራሕ ኣቐዲሞም ናብ ብሄራዊ ኣገልግሎት ሓበሬታን ድሕንነትን ብምሕታትን ፍቓድ ብምርካብን ይጥቀሙ ከምዝነበሩ ዘዘኻኸረ እቲ መተሓሳሰቢ፤ እቲ ትካል ብኣዋጅ ቁፅሪ 1276/2014 ብዝተውሃቦ ስልጣን መሰረት ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ብምትሕብባር ድሕንነት መራሕቲ፣ ቁልፊ መሰረተ ልምዓታትን ሃገራዊ ፍፃመታትን ናይ ምሕላው ሓላፍነቱ ንምፍፃም፣ ንዘይተወሰነ ግዘ ፍቓድ ምሃብ ደው ከም ዘበለን እገዳ በረራ ድሮን ተግባራዊ ከም ዝገበረን ኣፍሊጡ።

ብሄራዊ ኣገልግሎት ሓበሬታን ድሕንነትን ካብ ቀረባ እዋን ንደሓር ብስፍሓት እናተጠቐሙሎም ዝመፅኡ ድሮናትን ተመሳሰልቲ ቴክኖሎጂ ወለድ መሳርሒታትን ክፈጥሩዎም ዝኽእሉ ስግኣታት ብሄራዊ ድሕንነት ንምክልኻል ዘኽእሉ ዘበናዊ ቴክኖሎጂታት ከምዝተዓጠቐን ብቑዕ ሓይሊ ሰብ ከም ዘፍረየን ዝሓበረ እቲ ሓበሬታ፤ እቲ መተሓሳሰቢ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ብምውዳድ ንምፍፃም እኹል ምድላው ከምዘለዎ ኣመልኪቱ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment