ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ክልል ትግራይ ከተማ መቐለ ኣገልግሎት መሶብ ሓደ ማእኸል መሶብ ንምጅማር ዘኽእሉ ስራሕቲ ምድላዋት ተጀሚሮም ኢሎም ዋና ፈፃሚ ስራሕ ኣገልግሎት መሶብ ዮናስ ኣለማየሁ።
ኣይተ ዮናስ ኣለማየሁ ከምዝበልዎ፣ ኣገልግሎት መሶብ ሓደ ማእኸል ዓውደ ቴክኖሎጂ ብብርኪ ሃር ብምጥቃም፣ ኣገልግሎታት ትካላት መንግስቲ ኣብ ትሕቲ ሓደ ዓንኬል ብምእካብ ንህዝቢ ተበፃሒ ዝገብር እዩ።
ብመሰረት ኣንፈት ሽግግር ዲጂታላዊ ኣገልግሎት ኣብ መላእ እታ ሃገር ቁፅሪ መሃቢ ኣገልግሎት መሶብ ሓደ ማእኸል 114 ከምዝበፅሐን በዚ ድማ ልዕሊ 2 ነጥቢ 7 ሚሊየን ዜጋታት ተጠቀምቲ እቲ ኣገልግሎት ክኾኑ ከምዝኸኣሉን ኣብሪሆም።
ኣብ ከተማ መቐለ እውን እቲ ኣገልግሎት ብቕልጡፍ ንኽጅመር ከምዝስራሕ ዝገለፁ እቶም ዋና ፈፃሚ ስራሕ እቲ ማእኸል ንሕብረተሰብ ቅልጡፍ፣ ብቕዓት ዘለዎን ፅሬት ዘለዎን ኣገልግሎት መንግስቲ ንምሃብ ከምዘኽእል ገሊፆም።
ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ መቐለ ሺሻይ ኣማረ (ዶ/ር) ብወገኖም፣ ኣገልግሎታት ትካላት መንግስቲ ኣብ ሓደ ማእኸል ብምእካብ፣ ብምውዳድን ብምዕራይን ግጉይ ኣሰራርሓ ንምንካይ፣ ከምኡ እውን ዕግበት ተገልገልቲ ንምዕባይ እቲ ማእኸል ዓብዪ ኣስተዋፅኦ ከምዝህልዎ ተዛሪቦም።
ኣገልግሎት መሶብ ሓደ ማእኸል ምጅማሩ ኣገልግሎታት መንግስቲ ብቕልጡፍን ብቐሊሉን ንህዝቢ ንምብፃሕ፣ ከምኡ እውን ነበርቲ ዘባኽንዎ ግዜን ወፃኢን ንምንካይ ከምዝሕግዝ ይግመት።
ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ መቐለ ሺሻይ ኣማረ (ዶ/ር) ንኣይተ ስምዖን ተስፋማርያም ካብ ዕለት 17 ጥቅምቲ ጀሚሩ ሓላፊ ኣገልግሎት ሓደ ማእኸል መሶብ ከተማ መቐለ ገይሮም ከምዝሸምዎ ይዝከር።
ብግዛቸው ግርማዬ