ወርሓዊ ዜና መፅሄት

ወርሓዊ መፅሄት ዜና

ጉዳያት ምምሕዳር

እዚ ወርሒ ኣብ ታሪኽና ዓብዪ ምዕራፍ ዝተመዝገበሉ እዩ፤ ብመሰረት 24 ግንቦት 2018 ዓ.ም ኣብ ዝተኻየደ 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ፤ ሓዱሽ መንግስቲ መደመር ብ25 መስከረም 2019 ዓ.ም ብወግዒ ተመስሪቱ። ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣብ ዘካየዶ ቀዳማይ ስሩዕ ኣኼባ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ሹመት ኣባላት ካቢኔ ብምፅዳቕን፣ ሓላፍነት መንግስቲ ዝለዓለ ትግሃት ዝሓትት ምዃኑ ብምግላፅን፣ ንካልኣይ ዘበነ ስራሕኦም ቃለ መሓላ ፈፂሞም።

ብተወሳኺ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኮሚሽን ሃገራዊ ዘተ ዘዳለዎ ኣጀንዳ ዘተ ንፌደራልን ክልልን ኣካላት ብዕሊ ኣረኪቦም። ነዚ ዓብዪ ሃገራዊ ስትራተጂ ንምዕዋትን ምሉእ ድልውነት ንምሕያልን፤ ላዕለዎት ኣካላት መሪሕነት መንግስቲ ኣብ ኣካላዊ ብቕዓት፣ ስነ ምግባርን ዲሲፕሊንን ዘማዕብል ስልጠና ትምህርቲ ወታደራዊ ሳይንስ ይወስዱ ኣለዉ።

ማሕበራዊ ጉዳያት

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ንኹሎም ኢትዮጵያውያን እንዃዕ ናብ በዓል ኢሬቻ ብሰላም ኣብፅሓኩም ዝብል መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

ሰንደቕ ዕላማና ንሃገራዊ ምርድዳእን ሓድነትናን! ብዝብል መሪሕ ቃል ኣብ ዝተኸበረ መበል 19 ብሄራዊ መዓልቲ ሰንደቕዕላማ፣ ባንዴራ መግለፂ ልኡላውነትና ምዃና ኣገንዚቦም።

ኣብ መወዳእታ ድማ ብዛዕባ እዋናዊ ሃገራዊ ጉዳያት ምስ ኢቢሲ ብቋንቋ ትግርኛ ሰፊሕ መብርሂ ሂቦም።

ምጅማር ፕሮጀክታትን፣ ዑደትን ምረቓን

ወርሒ ጥቅምቲ ኣብ ሃገራዊ ዓቕሚ ኢንዱስትሪ፣ ነሰረተ ልምዓት ህንፀት ዓቕሚ ሕርሻን ዓብዪ ዕብየት ዝተራእየሉ እዩ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ፍሉይ ዞባ ኢከኖሚ ቦሌ ለሚ፣ ኣብ ዓመት 600 ቶን ናይ ምፅራይ ዓቕሚ ዘለዎ ሃገራዊ ፋብሪካ መፅረዪ ዝኸበሩ መዓድናት መሪቖም።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ድማ፣ 351 ሄክታር መሬት ዝሽፍንን 10 ኪሎ ሜትሮ ንውሓት ዘለዎን ፕሮጀክት ልምዓት ወሰን ሩባ ቀጨኔ–ኣምባሳደር–ጊዮን–ኢሬቻ–ባምቢስ ተመሪቑ።

ብተመሳሳሊ ጠለብ ነዳዲ ንምንካይ ኣብ ውሽጢ ሃገር ካብ ነዳዲ ናብ ተፈጥሮ ጋዝ (CNG) ዝተቐየራ ቀዳሞት 26 ኣውቶቡሳት ህዝባዊ ትራንስፖርት ብወግዒ ስራሕ ኣጀሚሮም። እዚ ለውጢ ወፃኢታት ትራንስፖርት ብልዑል ብርኪ ዝንኪ ታሪፍ ጉዕዞ ህዝቢ ብፍርቂ ዝንኪን እዩ።

ዲፕሎማስን ምሕዝነት ክልተኣዊ ርክባትን

ብወገን ዲፕሎማሲ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ክልተኣውን ብዙሕ ወገናውን መድረኻት ብልዑል መገዲ ተሳቲፎም።

ድሕሪ ምምስራት መንግስቲ መደመር ፕሬዚደንት ደቡብ ኣፍሪካ ሲሪል ራማፎሳን ምክትል ፕሬዚደንት ናይጀርያ ካሺም ሸቲማን ንዝገበርዎ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ተቐቢሎም።

#ኢትዮጵያ #ዓባይሃገር #ዓብዪህዝቢ #ዓብዪራኢ

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment