ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ግንቦት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ሻሸመኔን ከባቢኣን ዝርከቡ ጣቢያታት መረፃ ዝርገሐ ናውቲ መረፃ ተዛዚሙ፡፡
ሓላፊ እቲ ክልል መረፃ ተስፋዬ በቀለ ንፋና ሚዲያ ኮርፖሬሽን ከምዝበሉዎ፥ መውሀቢ ድምፂ ወረቐት ሓዊሱ መሰረታዊ እታወታት ንጣቢያታት መረፃ ተኸፋፊሉ፡፡
ኣብ ኩለን ጣቢያታት መረፃ ንዝርከቡ ተዓዘብቲ መረፃ ናይ ተዓዛቢነት ካርድ ከምዝተውሃበ እውን ገሊፆም፡፡
ልዕሊ 54 ሚሊየን ዜጋታት ድምፂ ዝህቡሉ 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ፅባሕ 24 ግንቦት ክካየድ ኢዩ፡፡
ብብርሃኑ በጋሻው