ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ግንቦት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ ኣብ ዝተፈላለዩ መረፃ ክልላት ምክፍፋል ናውቲ መረፃ ምክያድ ጀሚሩ።
መረፃ ክልላት ኣሶሳ መገሌን ኣሶሳ ሆሃን ናውቲ መረፃ ነናብ መረፃ ጣብያታት ኣብ ምዕዳል ይርከባ።
መተሓባበሪ መረፃ ክልል ኣሶሳ ሆሳ ኣይተ እሱባለው ንጋቱን መተሓባበሪ ኣሶሳ መገሌን ኣይተ ሃብታሙ ተስፋዬን ከምዝበልዎ፤ክሳብ 22 ግንቦት 2018 ዓ.ም ናብ ኩለን ጣብያታት ናውቲታት ንምዕዳል ብትግሃት ይስራሕ ኣሎ።
ኣብ ኩሉ ከባቢታት እቲ ክልል ካብ ዝርከባ ማእኸላት ናብ ኩለን ጣብያታት ብእዋኑ ናውቲ መረፃ ተበፃሒ ንምግባር ሰፊሕ ፃዕሪ ይግበር ከምዘሎ ኣመልኪቶም።