ጉባኤ ሩስያ – ኣፍሪካን ስትራተጂያዊ ግደ ኢትዮጵያን

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ) ጥቅምቲ 18ን 19ን፣ 2019 ኣብ ሞስኮ ዝካየድ ሳልሳይ ጉባኤ ሩስያ – ኣፍሪካ ኣብ መንጎ ሩስያን ኣህጉር ኣፍሪካን ዘሎ ጂኦፖለቲካውን ቁጠባውን ምትሕብባር ናብ ዝለዓለ ምዕራፍ ዘሰጋግር ፍፃመ እዩ።

ብፕሬዚዳንት ቭላድሚር ፑቲን ኣቦ ወንበርነት ኣብ ዝካየድ እዚ መድረኽ ካብ 54 ሃገራት ኣፍሪካ 48 ክሳተፋ እየን። እዚ ድማ ንዕብየትን ኣገዳስነትን እቲ ጉባኤ ዘርኢ እዩ።

ኣብቲ ጉባኤ ክልተኣዊ ዘተታትን ሓፈሻዊ ኣኼባታትን ክካየዱ እዮም።

ምስዚ ብተወሳኺ፣ ፎረም ቁጠባን ሰብኣውን ጉዳያትን ሩስያ – ኣፍሪካ እውን ክካየድ እዩ።

እዚ ኣህጉራዊ መድረኽ ብፍላይ ንኢትዮጵያ ማእከል ዲፕሎማስያ ኣፍሪካን ኣባል ብሪክስን ንዝኾነት ሃገር ዓብዩ ስትራተጂያዊ ትርጉም ኣለዎ።

መቐመጢ ቤት ፅሕፈት ሕብረት ኣፍሪካ ዝኾነት ኢትዮጵያ ኣፍሪካ ኣብ ዓለምለኻዊ መድረኻት፣ ብፍላይ ኣብ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ሕቡራት ሃገራት፣ ብቑዕ ውክልና ንኽትረክብ ምስ ሩስያ ብምትሕብባር ትሰርሕ ኣላ።

ካብ ዘበነ ዓድዋ ጀሚሩ ዝፀንሐ ታሪኻዊ ዕርክነት ኣብዚ እዋን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ሰላምን ድሕነትን ንምርግጋፅ ብዘኽእል ወታደራውን ቴክኖሎጅያውን ምትሕብባር ዝያዳ እናተጠናኸረ መፂኡ ኣሎ።

ካብ ወታደራውን ዲፕሎማስያውን ርክባት ብተወሳኺ ሩስያ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ዘለዋ ምትሕብባር፣ ኣብ ዓውዲ ሕርሻ ኣቕርቦት ድኹዒ ንምዕባይ፣ ዲጂታላዊ ትሕተ ቅርፂ ንምህናፅን ፀዓት ኒውክሌር ንሰላማዊ ኣገልግሎት ንምውዓልን ዘኽእሉ ብዙሓት ስምምዓት ምትሕብባር ኣብ ተግባር ተዋዒሎም ይርከቡ።

#ኢትዮጵያ #ዓባይሃገር #ዓብዩህዝቢ #ዓብዩራኢ

ብሶስና አለማየሁ

Comments (0)
Add Comment