ኣብ ክልል ዓፋር ብለውጢ ክሊማ ንዝተጎድኡ ወገናት ሰብኣዊ ሓገዝ ይከፋፈል ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ክልል ዓፋር ብሰንኪ ለውጢ ክሊማ ንዝተጎድኡ ወገናት ሰብኣዊ ሓገዝ ይከፋፈል ኣሎ።

ካብ ማእኸላዊ መኽዘን እኽሊ ኣዳማ ብቀዳማይ ዙር ዝተፅዓነ ሰብኣዊ ሓገዝ ኣብቲ ክልል ቀዳምነት ንዝወሃቦም ወገናት እናተኸፋፈለ ይርከብ።

ሎሚ ኣብ ወረዳ ቢዱ ቀበሌ ጊሪፎ ንብዙሓት ወገናት ሓገዝ ዝተገበረ እንትኸውን፤ ሓገዝ ዝተገበረሎም ወገናት ድማ ምስጋና ኣቕሪቦም።

ብሰንኪ ምዝባዕ ተፈጥሮ ኣብቲ ከባቢ ዘጋጠመ ድርቂ ንፀገም ከምዝተቓልዑ ዝገለፁ እቶም ነበርቲ፤ ሓገዝ ኣብ ዝድለየሉ እዋን መንግስቲ ከም ዝበፅሐሎም ተዛሪቦም።

#ኢትዮጵያ #ዓባይሃገር #ዓብዪህዝቢ #ዓብዪራኢ

Comments (0)
Add Comment