ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ሚያዚያ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ምምሕዳር ብሄረሰብ ዋግ ህምራ ወረዳ ደሃና ብዘጋጠመ ሓደጋ ትራፊክ ህይወት 18 ሰባት ሓሊፉ፡፡
ካብ ከተማ እብናት ናብ ሰቆጣ እናተጓዓዘ ዝነበረ ናይ ህዝቢ መመላለሲ ተሽከርካሪ ኣብ ወራ ደሃና ቀበሌ 9 ድግሽዋ ተባሂሉ ኣብ ዝፅዋዕ ከባቢ እቲ ሓደጋ ትራፊክ ከምዘጋጠመ ተገሊፁ፡፡
በቲ ሓደጋ 18 ሰባት ህይወቶም እንትሓልፍ÷ 62 ሰባት ድማ ከቢድን ቀሊልን ጉድኣት ኣካል ኣጋጢሙዎም፡፡
ጉድኣት ዘጋጠሞም ዜጋታት ኣብ ወረዳ ደሃና ቀዳማይ ብርኪ ሆስፒታል ኣምደወርቅ ኣገልግሎት ሕክምና እናተውሃቦም ከምዝርከብ ሓበሬታ ቤት ፅሕፈት ፖሊስ እታ ወረዳ ኣመልኪቱ፡፡