ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ሓምለ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኢኮኖሚ እዛ ሃገር ዘጠናኽሩ ሱር ቦቆል ስራሕቲ ተሰሪሖም ኢሎም ገዛኢ ብሄራዊ ባንኪ ኢዮብ ተካልኝ (ዶ/ር)፡፡
ማሕበር ኣክሲዮን ባንኪ ኣቢሲኒያ ኣብ ዕዳጋ ሰነደ ሙኣለ ንዋያት ኢትዮጵያ ምምዝጋቡ ዝምልከት ዕላዊ መግበሪ መርሃ ግብሪ ተኻይዱ፡፡
ኢዮብ ተካልኝ (ዶ/ር) ኣብቲ እዋን ከምዝበሉዎ፥ ካፒታል ዕዳጋ ብምጥያሽን ብምውዳብን ጭቡጥ ስራሕ ምስራሕ ተኻኢሉ።
ከም ሃገር ዕዳጋ ካፒታል ዘይምህላዉ ልዑል ጓሂ ከምዝነበረ ብምዝኽኻር፤ እዚ ክፍተት ንምምላእ ዕዳጋ ካፒታል ብምጥያሽ ዝተጀመሩ ስራሕቲ ብዝበለፀ ጠናኺሮም ከምዝቕፅሉ ኣመልኪቶም።
ባንኪ ኣቢሲንያ ምስ ዕዳጋ ካፒታል ንምስራሕ ዘርአዮ ቆራፅነትን ውሳነን ዝነኣድ ኢዩ ኢሎም።
እዚ ድማ ኣብ ዕብየት ዕዳጋ ካፒታል ኢትዮጵያ ኣገዳሲ ምዕራፍ ብምዃን ትካላዊ መሰረት እቲ ዕዳጋ ብዝበለፀ ከምዘጠናኽሮ ተሓቢሩ።
ትካላት ዘፈር ውልቀ ኣብ ዕዳጋ ሰነዳት ምእለ ንዋይ ዘለዎም ተሳትፎ እናዓበየ ይመፅእ ከምዘሎ ዝተገለፀ እንትኸውን፤ ናብቲ ዕዳጋ ምፅንባር ንሰብኣክሲዮናትን ሓፈሻዊ ኢኮኖሚ ሃገርን ዓብዪ ኣስተዋፅኦ ከምዘለዎ ተገሊፁ።
ባንኪ ኣቢሲንያ ልዕሊ 980 ጨናፍር ብምኽፋት ኣብ መላእ ሃገር ዘለዎ ተሳትፎ ኣብ ዓውዲ ፋይናንስ ብዝበለፀ እናጠናኸረ ከምዝቐፀለ ገሊፁ።
ብሄኖክ ለሜ