ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ግንቦት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝርከቡ ዜጋታት ድሕንነቶም ንምሕላው መንግስቲ ብቕርበት ይሰርሕ ኣሎ ኢሉ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ፌዴሪኢ።
ኣቐባሊ ቃል እቲ ሚኒስቴር ኣምባሳደር ነዲያት ጌታቸው ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፥ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኢትዮጵያ ምስ ዲፕሎማታት ዝተፈላለያ ሃገራት ጠንካራን ንቑሕን ዲፕሎማሲያዊ ርክብ ምግባራ ኣዘኻኺሮም።
ምስ ኣሜሪካ ኣብ ዝገበረቶ ክልቲኣዊ ዘተ፥ መዋቕራዊ ስምምዕነት ሓበራዊ ትግበራ ዝጠልቡ ቀጠናዊን ዓለም ለኻዊን ዛዕባታት ብዝምልከት ዘተ ከምዝተገበረ ብኣብነት ረቚሖም።
ኣብ ኩለመዳይ ዲፕሎማሲ ኣብ መበል 80 ዓመት በዓል ምስረታ ሕቡራት መንግስታት ኢትዮጵያ ምስታፋ ብምግላፅ፥ እቲ ተሳትፎ ኢትዮጵያ ምስቲ ትካል ዘለዋ ታሪኻዊ ዝምድና ዘርኣየትሉ ከምዝነበረ ተዛሪቦም።
ኣብ ዜጋ ተኮር ዲፕሎማሲ ዝተሰርሑ ስራሕቲ ውፅኢታዊ ከምዝነበሩ እውን ተዛሪቦም።
ኣብ ደቡብ ኣፍሪካን ስዑዲ ዓረበን ዝርከቡ ዜጋታት ድሕንነቶም ንምሕላው ልኡኽ ምጥያሹ ገሊፆም።
ብቤተልሔም መኳንንት