ኣብ ጉባኤ ሃገራዊ ዘተ ዝኾነ ይኹን ሰብ ከይተገለለ ድምፂ ኩሉ ክስማዕን ክኽበርን ብትኹረት ተሰሪሑ – ምክትል ዋና ኮሚሽነር ሂሩት ገብረስላሴ

ኣዲስ ኣበባ፣ ነሓሰ 16፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ጉባኤ ሃገራዊ ዘተ፤ ዝኾነ ይኹን ክፋል ሕብረተሰብ ከይተገለለ፣ ድምፂ ኩሉ ክስማዕን ክኽበርን ብትኹረት ተሰሪሑ ኢለን ምክትል ዋና ኮሚሽነር ሃገራዊ ዘተ ኢትዮጵያ ሂሩት ገብረስላሴ።

ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ብህዝቢ ዝተወከሉ 4 ሽሕ ተዛተይቲ ዝተሳተፍሉ፤ ካብ ሓምለ 8/2018 ዓ.ም ጀሚሩ ክካየድ ዝፀንሐ ጉባኤ ሃገራዊ ዘተ ስነ-ስርዓት መዕፀዊ ይካየድ ኣሎ።

ምክትል ዋና ኮሚሽነር ሂሩት ከምዝበልኦ፤ ጉባኤ ሃገራዊ ዘተ ንመላእ ኢትዮጵያውያን ብኣሳታፊን ሓቋፊን መንገዲ ዘሳተፈ ሓቃዊ መድረኽ እዩ።

እቲ ከይዲ ኣብ ፖለቲካዊን ማሕበራዊን ታሪኽ ኢትዮጵያ ሓድሽ ምዕራፍ ዝኸፈተ ምዃኑ ብምሕባር፣ መሰረታዊ ዘይምርድዳኣትን ፍልልያት ሓሳብን ብዘተ ንምፍታሕ ዝተራእየ ፃዕሪ ሓድሽ ፖለቲካዊ ባህሊ ከም ዝፈጠረ ተዛሪበን።

 

 

 

Comments (0)
Add Comment