ኣብ ጉዳይ ቀይሕ ባሕሪ ዝግበሩ ልዝባት ረብሓ ኢትዮጵያ ኣብ ግምት ዘእተዉ ክኾኑ ይግባእ – ሚኒስቴር ጉዳያት ወጻኢ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 መስከረም፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ጉዳይ ቀይሕ ባሕሪን ኣብቲ ዞባን ጉዳይ በሪ ባሕሪን ዝግበሩ ልዝባት ሕጋዊ ረብሓ ኢትዮጵያ ኣብ ግምት ዘእተዉ ክኾኑ ይግባእ ኢሉ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ።

እቲ ሚኒስቴር ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ፤ ኢትዮጵያ ካብ ሓፈሻዊ መጠን ማይ ሩባ ኣባይ (ብሉ ናይል) ልዕሊ 85 ሚእታዊ ከም እተበርክት ኣመልኪቱ።

በዚ ምኽንያት ኣብ ኣጠቓቕማን ኣመሓዳድራን ማይ ኣባይ ዝግበሩ ዝኾነ ይኹኑ ዘተታት ነዚ ሓቂ ኣብ ግምት ዘእተዉ ክኾኑ ከም ዘለዎም ኣገንዚቡ።

ብተመሳሳሊ ኢትዮጵያ ንማያዊ ክፋል ቀይሕ ባሕሪ ብመልክዓ ምድሪን ብታሪኽን እትካፈሎ ሃገር ምዃና እቲ ሚኒስቴር ኣብ መግለፂኡ ገሊፁ።

ብሰንኪ ታሪኻዊ ኣጋጣሚታት ብምልውዋጥ ፖለቲካ ለውጢ ዶብ ሃገራት ዘጋጥሙ ዋላ እኳ እንተኾኑ፤ ኢትዮጵያ ሕዚ እውን ካብ ቀይሕ ባሕሪ ብ30 ማይል ርሕቀት ከም እትርከብ ኣመልኪቱ።

በዚ ምኽንያት ኣብቲ ዞባ ዝግበሩ ዘተታት ጉዳያት ፀፅታን በሪ ባሕሪን ሕጋዊ ረብሓ ኢትዮጵያን ንልዕሊ ሓያሎ ዘመናት ዝተዘርግሐ ምስ ቀይሕ ባሕሪ ዘለዋ ርክብን ኣብ ግምት ከእትዉ ከም ዘለዎም ኣፅንኦት ሂቡ።

እዞም መልክዓ ምድራዊን ታሪኻዊን ሓቂታት ብፖለቲካዊ ያታን መግለሊ ስጉምትታትን ከምኡ እውን እቲ ዞባ ንምዝራግ ብዝግበሩ ንጥፈታትን ክገላበጡ ኣይኽእሉን ኢሉ።

ዝኾነ ይኹን ናይ ውክልና ኲናትን ተፃባኢ ኣካይዳን ኢትዮጵያ ኣብቲ ዞባ ዘለዋ ሕጋዊ ረብሓ፣ ግደን ሓላፍነትን ከም ዘይድምስስ ከምኡ እውን ኣብ መሬት ዘሎ ክውንነት ክቕይር ከም ዘይኽእል ኣገንዚቡ።

ኢትዮጵያ ሰላማዊ ርክብ፣ ሓባራዊ ምክብባርን ዞባዊ ምትሕብባርን መትከል ብዝገበረ ኣካይዳኣ ከም እትቕፅል ዘመልከተ እቲ መግለፂ፤ እታ ሃገር ብሉኣላውነታ፣ ሓድነት ግዝኣታን መሰረታዊ ሃገራዊ ረብሓታታን ከም ዘይትደራደር ኣረጋጊፁ።

ሃገራት እቲ ዞባ ካብ ጎንፂን ዜሮ ድምር ኣካይዳን ካብ ምኽታል፤ ሃናፂ ዘተ፣ ብምሕዝነትን መትከል ፅቡቕ ጉርብትናን ተመርኲሰን ንሓባራዊ ብድሆታት ብሓባር ንምፍታሕ ክተሓባበራ ፃውዒት ኣቕሪቡ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment