ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)2ይ ኣህጉራዊ ጉባኤ ፓርቲታት ፖለቲካ ኣፍሪካ ኣብ መዘከሪ ዓወት ዓድዋ እናተኻየደ ይርከብ።
ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምክያድ ዝጀመረ እቲ ጉባኤ፤ “ዕቤት ምምሕዳር፤ ፓርቲታት ፖለቲካ ኣፍሪካ ሓንፀፅቲ ንድፊ ቀፃሊ ዕጫ ኢኮኖሚ ኣፍሪካ እዮም” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ እናተኻየደ ይርከብ።
ኣብ ጉባኤ ተወከልቲ ዝተፈላለያ ሃገራት፣ ኣመራርሓ ገዛኢን ተናሓናሕቲን ፓርቲታት ፖለቲካ ኣፍሪካ፣ ሚኒስትራትን ካልኦት ተሳተፍቲን ተረኺቦም።
እቲ ጉባኤ ፓርቲታት ፖለቲካ ኣፍሪካ ካብ ውድድር መረፃ ሓሊፉ ኣብ ህንፀት ሃገር፣ ኣብ ዕቤት ኢኮኖሚን ዘላቒ ልምዓትን ብምትሕብባር ንኽሰርሑ ዘኽእሉ ስትራቴጂታትን ሓበራዊ ኣንፈታትን ንምምስራት ዝዓለመ እዩ።
ብመሳፍንት ብርሌ