ጉባኤ ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኢትዮጵያ ይካየድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኢትዮጵያ 2ይ ዓመት 1ይ ስሩዕ ሓፈሻዊ ጉባኤኡ ምክያድ ጀሚሩ።

ኣብቲ ሓፈሻዊ ጉባኤ ዑለማታት ፕሬዚዳንት ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኢትዮጵያ ሸይኽ ሓጂ ኢብራሂም ቱፋ፣ ዋና ፀሓፊ ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ኢትዮጵያ ሊቀ ትጉሃን ቀሲስ ታጋይ ታደለ ሓዊሱ ካብ መላእ ከባቢታት እታ ሃገር ዝተውፃእፅኡ ዑለማታት፣ ኣመራርሓ መጅሊስ ክልላት ተረኺቦም።

ንክልተ መዓልቲ ኣብ ዝፀንሕ ጉባኤ፤ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ኣብ ዝተኻተቱሉ ሰነድ ስምምዕነት፣ ዑለማታት ክልል ዓመታዊ ኣፈፃፅማ ስሕ ዘተ ክግበር እዩ።

እቲ ጉባኤ ንክልተ ተኸታተልቲ መዓልቲታት ዝፀንሕ እንትኸውን፤ ኣብ ውሽጡ ድማ ዝተፈላለዩ ትካላዊ፣ ሃይማኖታዊን ማሕበራዊን ትልሚታት ኣፈፃፅማ ስራሕ ልዝብ ክግበር እዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

#ኢትዮጵያ #ዓባይሃገር #ዓብዪህዝቢ #ዓብዪራኢ

ብጀማል ኣሕመድ

Comments (0)
Add Comment