ኣትሌት ትእግስት ኣሰፋ ኣብ ሽልማት ኮኾብ ኣትሌት እዚ ዓመት ሕፅይቲ ኮይና

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 መስከረም፣ 2019 ዓ.ም. (ኤፍ ኤም ሲ)ኣትሌቲክስ ዓለም ዝርዝር ተወዳደርቲ ሕፁያት ዝበለፁ ኣትሌታት ዓለም 2026 ዕላዊ ገይሩ።

በዚ ድማ ኣትሌት ትዕግስት ኣሰፋ ኣብ ደረጃ ደቂ ኣንስትዮ ካብ ዝተመረፃ 10 ኣትሌታት ዝርዝር ተኻቲታ።

ኣትሌት ትእግስት ኣብ ማራቶን በርሊን ብ2:11:04 ብምዕዋት ሳልሳይቲ ብምውፃእ ሳልሳይ ዓወት ማራቶን በርሊን ዘመዝገበት እንትትከውን፤ እዚ ድማ ኣብ ታሪኽ ማራቶን ደቂ ኣንስትዮ ሳልሳይ ቅልጡፍ ሰዓት እዩ።

ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ድማ ኣብ ማራቶን ሎንደን 2:15:41 ብዝኾነ ሰዓት ክብወሰን ማራቶን ደቂ ኣንስትዮ ዓለም ክብረ-ወሰን ምስትኽኻላ ይዝከር።

ከይዲ ምሃብ ድምፂ ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ ክሳብ 7 ጥቅምቲ 2019 ዓ.ም ክካየድ እዩ።

Comments (0)
Add Comment