ኣውቶቡሳት ከተማ ኣዲስ ኣበባ ክሳብ 1 ነጥቢ 5 ሚሊየን ዝኾኑ ዜጋታት ኣገልግሎት ይህባ ኣለዋ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ሚያዝያ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ትካል ኣገልግሎት ኣውቶቡስ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ መዓልቲ ክሳብ 1 ነጥቢ 5 ሚልዮን ዝኾኑ ዜጋታት ኣገልግሎት ይህብ ኣለኹ ኢሉ።

ዋና ፈፃሚ ስራሕ ኣካሉ ኣሰፋ ምስ ሕፅረት ነዳዲ ተተሓሒዙ ኣብ ህዝባዊ መጓዓዝያ ዘየድሊ ምዝንባዕን ፀገማትን ንምክልኻል ንሰርሕ ኣለና ኢሎም።

ንተምሃሮ ሓዊሱ 1200 ኣውቶቡሳት ክሳብ ምሸት ሰዓት 4 ኣብ 212 መስመራት ንህዝቢ ኣገልግሎት ይህብ ከምዘሎ ሓቢሮም።

እቶም ዋና ፈፃሚ ስራሕ መዓልታዊ ካብ 1ሺሕ 4 ክሳብ 1ሺሕ 5 ሚሊየን ሰባት ንጉዕዞ ከምዘለና እዚ ድማ ካብቲ ዝሓለፈ ክሳብ 300 ሽሕ በዝሒ ከምዘለዎ ገሊፆም።

ብመሳፍንት እያዩ

Comments (0)
Add Comment