ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ሕዳር፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ምክትል ፕሬዚዳንት ፓርቲ ብልፅግናን ሓላፊ ዋና ቤት ፅሕፈት እቲ ፓርቲን ኣይተ ኣደም ፋራህ ምስ ኣምባሳደር ቻይና ኣብ ኢትዮጵያ ቼን ሃይ ተዛቲዮም።
ኣብ ዘተኦም ድማ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ርክብ ከምኡ እውን ኣብ መንጎ ፓርቲ ብልፅግናን ኮሚኒስት ፓርቲ ቻይናን ዘሎ ምትሕብባርን ስትራቴጂካዊ ሽርክነትን ንምጥንኻር ኣብ ዝከኣለሉ መገዲ ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ኣመልኪቶም ተዛቲዮም።
ኣይተ ኣደም ፋራህ ኣብቲ እዋን፤ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ቻይናን ዘሎ ነዊሕ እዋን ዘቑፀረ ርክብን ስትራቴጂካዊ ምሕዝነትን ኣብ ዓውዲታት ፖለቲካ፣ ኢኮኖሚን ልምዓትን ምትሕብባር ንምስፋሕ ጥንኩር መሰረት ዘንፅፍ ምዃኑ ገሊፆም።
ኣምባሳደር ቼን ሃይ ብወገኖም፤ ፓርቲ ብልፅግና ኣካታቲ ምጭባለ፣ ሃገራዊ ልምዓትን ትካላዊ ለውጢን ንምዕዋት ዘካይዶም ተግባራት ሃገሮም ከም እትድግፍ ኣረጋጊፆም።
ክልቲኦም ወገናት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ 2023 ናብ ቻይና ኣብ ዝገበርዎ ዑደት፤ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ዝተፈረሙ ስምምዓት ምትሕብባር ዘለዎም ኣገዳስነት ኣጉሊሆም።
ካብዚ ብተወሳኺ ስግግር ኢኮኖሚ፣ ዞባዊ ምርግጋእን ሓባራዊ ረብሓን ንምጥንኻር ዘኽእሉ ሓደሽቲ ዓውድታት ምትሕብባር ብዝምልከት ሓሳባት ተለዋዊጦም።
ስትራቴጂካዊ ምትሕብባር ክልቲአን ሃገራት ብዝያዳ ንምጥንኻር ከም ዝሰርሑ ቆራፅነቶም ምግላፆም ካብቲ ፓርቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የመላኽት።