ጌዲዮን ጢሞቴዎስ (ዶ/ር) ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ዩናይትድ ኪንግደም ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ሕዳር፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ፕሬዚደንት ኮፕ32ን ጌዲዮን ጢሞቴዎስ (ዶ/ር) ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ዩናይትድ ኪንግደም ኤድ ሚሊባንድ ተዛቲዮም።

ኣብ ዘተኦም ድማ ጌዲዮን ጢሞቴዎስ (ዶ/ር) ኢትዮጵያ ለውጢ ክሊማ ንምክልኻል ብዛዕባ ዝወሰደቶም ስጉምቲታት መብርሂ ሂቦም።

ለውጢ ክሊማ ንምክልኻል ምልቃቕ ካርበን ምንካይ ኣድላዪ ምዃኑ ኣጉሊሆም።

ኤድ ሚሊባንድ ብወገኖም፤ ኢትዮጵያ ኮፕ32 ብዕዉት መገዲ ንኽተሰናድእ ሃገሮም ሓገዝ ንምግባር ድልውቲ ምዃና ኣረጋጊፆም።

Comments (0)
Add Comment