ኣይተ ኣደም ፋራህ ንሓዱሽ ዓመት መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ጳጉሜን፣ 2018 ዓ.ም (ኤፍ ኤም ሲ)ብመዓርግ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ሓላፊ ማእኸል መተሓባበሪ ህንፀት ስርዓት ዴሞክራሲን ምክትል ፕሬዚዳንት ፓርቲ ብልፅግናን ኣይተ ኣደም ፋራህ ንበዓል ሓዱሽ ዓመት 2019 መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም።

ኣብ መልእኽቶም ድማ ሓዱሽ ዓመት ሃገራዊ ሓድነትናን ዘላቒ ሰላምናን ብዝበለፀ ዝጠናኸረሉ፣ ጉዕዞ ምዕባለና ድማ ብዝበለፀ ዝቀላጠፈሉ ዓመት ክኸውን ተመንዮም።

ካብዚ ብተወሳኺ እቲ ሓዱሽ ዓመት ንፍቱዋት ኢትዮጵያውያን ንመላእ ደቂ ሰብን ፍቕሪ፣ ምሉእ ጥዕናን ልዑል ዓወትን ሒዙ ዝመፀሉ ዓመት ክኾነልና ይምነ ኢሎም።

Comments (0)
Add Comment