ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሕዳር፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ፤ ኢትዮጵያ ካብ 14 ክሳብ 18 ሕዳር 2019 ዓ.ም ኣብ ዝካየድ 5ይ ኮንፈረንስ ጥዕና ህዝቢ ኣፍሪካን መላእ ዓለምን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብልዑል ሓጎስ ክተተኣናግድ እያ ኢሎም።
ብሓባር ብምዃን ሓባራዊ ትምኒታትና ናብ ተግባራዊ ስጉምቲ ንቐይሮ፤ ዝያዳ ጥዑይን ብማሕለኻታትን ክትሰግር እትኽእልን ኣፍሪካ ንህነፅ፤ ኣፍሪካ ድልውቲ እያ ክብሉ እውን ኣገንዚቦም።
«ኣፍሪካ ድልውቲ እያ!» ዝብል መልእኽቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፣ ጥዕይቲን ማሕለኻታት ክትፃወር እትኽእልን ኣህጉር ናይ ምህናፅ ሓባራዊ ባህጊ ዘንፀባርቕ እዩ።
እዚ መልእኽቲ ንዜጋታት ዝሐሸ ኣገልግሎት ጥዕና ካብ ምቕራብ ብተወሳኺ ኣፍሪካ ናይ ባዕላ ፀገማት ጥዕና ብዓቕማ፣ ብፍልጠት፣ ብቴክኖሎጂን ብዓቕሚ ምፍራይን ክትፈትሖ ዝሓትት እዩ።
መንግስቲ መደመር ኣብ ዘፈር ጥዕና ዝሓዞ ኣንፈት፤ ጥዕና ምስ ትካላት ሕክምናን ምሕካም ሕማማትን ጥራይ ዝተኣሳሰር ጉዳይ ገይሩ ኣይርእዮን።
እቲ ሓሳብ ጥዕና መሰረታዊ መሰል ወዲ ሰብ፣ መሰረት ልምዓት ሃገርን መግለፂ መፍረያይነት ዓቕሚ ሰብን ምዃኑ ቀዳምነት ይህብ።
ብመሰረት እዚ ፖሊሲ ጥዕና ካብ ምክልኻል ሕማማት ጀሚሩ ሕሙማት ብግዚኡ ብምሕካም ምድሓን፣ ፀገማት ጥዕና ኣብ ዝፍጠረሉ እዋን ብዝተዋደደ ኣገባብ ምላሽ ምሃብ፣ ዓቕሚ ምፅዋር ስርዓት ጥዕና ምዕባይን ፅሬት ሕክምና ምምሕያሽን ዘጠቓልል እዩ።
እዚ ኣንፈት ጥዕና ካብ ውልቀሰብ ክሳብ ማሕበረሰብ፣ ካብ ስድራቤት ክሳብ ሃገር ዝዝርጋሕ ጉዳይ ልምዓት ገይሩ የቐምጦ። ብፍላይ ኣገልግሎታት ምክልኻል፣ ምሕካምን ምሕዋይን ብዝተዋደደ መንገዲ ምጥንኻር፣ ቁልፊ ኣንፈት እቲ ስርዓት እዩ።
ካብ ምዕዳግ መድሓኒት ናብ መፍረያይነት
ኢትዮጵያ ንነዊሕ እዋን ኣብዝሓ ድሌት መድሃኒታ ካብ ወፃኢ ብምእታው ክትሽፍኖ ፀኒሓ እያ። እዚ ኣብ ፅዕንቶ ሸርፊ ወፃኢ ካብ ምፍጣሩ ብተወሳኺ፤ ኣብ ኣህጉራዊ ሰንሰለት ቀረብ ምዝባዕ ኣብ ዝፍጠረሉ እዋን ተበፃሕነት መድሃኒት ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ ኩነታት ነይሩ።
እዚ ማሕለኻ ንምልዋጥ መንግስቲ ንውሽጣዊ ምፍራይ መድሃኒታትን እታወታት ሕክምናን ልዑል ትኹረት ካብ ዝሃቦም ዘፈራት ልምዓት ሓደ ገይሩ ሒዝዎ ኣሎ። በዚ መዳይ ፓርክ ኢንዱስትሪ መድሃኒታት ቂሊንጦ ንምምዕባል እቲ ዘፈር ካብ ዝተዘርግሑ ቁልፊ መሰረተ ልምዓታት ሓደ እዩ።
ኣብ ኢትዮጵያ ዝንቀሳቐሱ ከም ፋርማሲዩቲካል ማኑፋክቸሪንግ ኢትዮጵያ፣ ኣዲስ ፋርማሲዩቲካል፣ ካዲላ ፋርማሲዩቲካልን ካልኦትን ኣፍረይቲ ትካላት መድሃኒትን ዓቕሚ ምፍራይ ውሽጢ ሃገር ንምዕባይ ዝገብሩዎ ኣበርክቶ ዕዙዝ እዩ።
ካብዚ ብተወሳኺ በዓል መዚ ምግቢን መድሃኒትን ኢትዮጵያ ስርዓት ቁፅፅር ምጥንኻር፣ ፅሬትን ድሕንነትን ፍርያት ምርግጋፅ፣ ከምኡ እውን ዓቕሚ ኣፍረይቲ ትካላት ምዕባይ፣ ኣብቲ ዓውዲ ንዝረአ ለውጢ ወሳኒ ተራ ይፃወቱ ኣለዉ።
ኢትዮጵያ ኣብ ዘፈር ጥዕና ዘለዋ ዓሚቕ ዓቕሚ ካብ ውሽጣዊ ድሌት ምሽፋን ሓሊፉ፣ ናብ ማእኸል ኣገልግሎት ጥዕና ኣህጉር ክትቅየር ዘኽእል ዕድል ኣለዎ።