ከተማ መቐለ ናብ ዝነበራ ሰላም ተመሊሳ – ነበርቲ እታ ከተማ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ) ከተማ መቐለ ሰላማ ተመሊሱ ናብ ንቡር ምንቕስቃሳ ተመሊሳ ኢሎም ነበርቲ እታ ከተማ።

ቅድሚ ሕዚ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ኣብ መቐለን ኣብ ካልኦት ከባቢታት ክልል ትግራይን ሰላማዊ ምንቕስቃስ ከይህሉ ክሰርሕ ምፅንሑ እቶም ነበርቲ ኣልዒሎም።

ፋና ሚዲያ ኮርፖሬሽን ኣብ ከተማ መቐለ ዘዘራረቦም ነበርቲ ከምዝገለፅዎ፣ ኣብዚ ቀረባ እዋን ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ብሰንኪ ዝፈጠሮ ህውከት ሰላማዊ ምንቕስቃሳ እታ ከተማ ተዘሪጉ ነይሩ።

ኣብዚ ሕዚ ግና መንግስቲ ብዝወሰዶ ስራሕ ምኽባር ፀጥታ እታ ከተማ ናብ ንቡር ሰላም ከምዝተመልሰት ገሊፆም።

ካብ ሰላም ዝዓቢ ነገር የለን ዝበሉ እቶም ነበርቲ፣ ሰላም እታ ከተማ ናብ ዝነበሮ ኩነታት ብምምላሱን መዓልታዊ ንጥፈታቶም ብዘይ ዝኾነ ስግኣት ክፍፅሙ ብምኽኣሎምን ዝተሰምዖም ሓጎስ ገሊፆም።

ኣብ ቀፃሊ እውን ምስ ፌዴራል መንግስትን ኣብ ዝተፈላለየ ደረጃ ምስ ዝርከቡ ኣካላት ፀጥታን ብምትሕብባር ሰላም ከተማኦም ንምርግጋፅ ከምዝሰርሑ ኣረጋጊፆም።

ብኣመለወርቅ ደምሰው

Comments (0)
Add Comment