ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ምስ ዋና ዳይሬክተር ዩኤን ሀቢታት ተዛትየን

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ሕዳር፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ) ከንቲባ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ምስ ዋና ዳይሬክተር ዩኤን ሀቢታት ኣናክላውድያ ሮስባክ ተዛትየን።

እተን ከንቲባ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ገፀን ብዘስፈረኦ መልእኽቲ፤ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝካየድ ለውጢ ከተማን ዘላቒ ልምዓትን ዘሎ ምትሕብባር ንምጥንኻር ከም ዝተዛተያ ገሊፀን።

ከተማና ኣብ ሻንጋይ ኣብ ዝተኻየደ መዓልቲ ዓለም ለኸ ከተማታት ዝተዓወተቶ ሽልማት ዘላቒ ምዕባለ ከተማታትን ኣብ ሴኡል ዝተውሃባ ኣፍልጦ ስማርት ከተማን ብምጥቃስ ዋና ዳይሬክተር ዩኤን ሀቢታት ዮሃና መልእኽቲ ከም ዘመሓላለፋለን ገሊፀን።

ኣብ ቀረባ እዋን ዝተፈረመ ስምምዕ መረዳእታ ናብ ተግባር ንምቕያር ሓባራዊ ናይ ኣፈፃፅማን ክትትልን ስርዓት ብምዝርጋሕ ቀዳምነት ዝወሃቦም ፕሮጀክትታት ኣብ ምልላይ ከም ዝተመያየጣ ገሊፀን።

ኣዲስ ኣበባ ንጉባኤ COP32 ንምእንጋድ ኣብ እትዳለወሉ ዘላ እዋን ስትራቴጂያውን ቴክኒካውን ሽርክነት UN-Habitat ንኣጀንዳ ልምዓት ከተማና ንምቅልጣፍን ዘላቒ ውፅኢት ንምምፃእን ዓቢ ኣበርክቶ ክህልዎ እዩ ኢለን።

ዕላማና ሽርክነት ናብ ተግባር፣ ተግባር ድማ ናብ ጭቡጥ ውፅኢት ብምቕያር፣ ንህዝብና ዘላቒ ረብሓ ምርግጋፅ እዩ ክብላ ገሊፀን።

#ኢትዮጵያ #ዓባይሃገር #ዓብዩህዝቢ #ዓብዩራኢ #COP32_ኢትዮጵያ #fanamediacorporation

Comments (0)
Add Comment