ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ሕዳር፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ትካላት ኢንሹራንስ ኣብ ዕዳጋ ሰነደ-መዋእለ ንዋይ ብምስታፎም ሓደሽቲ ዘፈራት ፋይናንስ ናብቲ ዕዳጋ ክፅንበሩ በሪ ዝኸፍት ኢለን ዋና ፈፃሚት ስራሕ ዕዳጋ ሰነደ-መዋእለ ንዋይ ኢትዮጵያ ዮዲት ካሳ።
ኩባንያ ኢንሹራንስ ኣዋሽ ኣብ ዕዳጋ ሰነደ-መዋእለ ንዋይ ኢትዮጵያ ብምምዝጋብ ኣብቲ ዓውዲ ፈላማይ ኩባንያ ብምዃን ሎሚ ናብቲ ዕዳጋ ተፀንቢሩ።
ወ/ሮ ዮዲት ካሳ ኣብቲ እዋን፤ ትካላት ኢንሹራንስ ኣብ ዕዳጋ ሰነደ-መዋእለ ንዋይ ምስታፈን ሓደሽቲ ዘፈራት ፋይናንስ ናብቲ ዕዳጋ ክፅንበሩ በሪ ከምዝኸፍት ገሊፀን።
ትካላት ኢንሹራንስ ኣብቲ ዕዳጋ ምስታፈን፤ ኢንቨስተራት ኣብቲ ዘፈር ክሳተፉ ዝኽእሉሉ መገዲ ከምዝኸፍትን እዚ ድማ ንኹሎም ኢትዮጵያውያን ዝኸውን ዝተረጋገአ ካፒታል ዕዳጋ ንምህናፅን ዘሎ ቆራፅነት ዘርኢ ምዃኑን ኣብሪሀን።
ካብዚ ብተወሳኺ እቲ ምዝገባ ነቲ ኩባኒያ ይኹን ንዕዳጋ ልዑል ዓቕሚ ከምዝፈጥር ተዛሪበን።
ብኻልእ መዳይ ዋና ፈፃሚ ስራሕ ኢንሹራንስ ኣዋሽ ጅባት ኣለምነህ፤ ኩባንያኦም ናብቲ ዕዳጋ ምፅንባሩ ዘላቒ ዕቤትን ኣብ ነዊሕ እዋን እታወት ዝፈጥርን ሓዱሽ ጅማሮ ምዃኑ ገሊፆም።
እቲ ምዝገባ እቲ ኩባንያ ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓሰርተ ዓመታት ዝሃነፆ እምነት ሰብ ኣክሲዮን ብምጥንኻር፣ ግልፅነት ኣሰራርሓ ስራሕ፣ ጥንኩር ትካላዊ ምምሕዳርን ተሓታትነትን ከምዘማዕብል እውን ኣብሪሆም።
ብሄኖክ ለሚ