ድርድር ኣባልነት ኢትዮጵያ ኣብ ትካል ንግዲ ዓለም ኣብ ወሳኒ ምዕራፍ በፂሑ – ወ/ሮ ያስሚን ወሃብረቢ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ሕዳር፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ ኣባል ትካል ንግዲ ዓለም ንምዃን እትገብሮ ዘላ ድርድር ናብ ወሳኒ ምዕራፍ ተሰጋጊሩ ኢለን ሚኒስትር ንግዲን ዞባዊ ምትእስሳርን ያስሚን ወሃብረቢ።

8ይ ኣኼባ ጉጅለ ስራሕ ትካል ንግዲ ዓለም ኣብ ስዊዘርላንድ ጀኔቫ ተኻይዱ።

ዋና ተደራዳሪት ከይዲ ኣባልነት ትካል ንግዲ ዓለም ዝኾና ሚኒስትር ንግዲን ዞባዊ ምትእስሳርን ያስሚን ወሃብረቢ ዝመርሕኦ ጉጅለ ልኡኽ ኣብቲ ጉባኤ ተረኺቡ ኣገደስቲ ዝኾኑ ዘተታት ኣካይዱ።

ወ/ሮ ያስሚን ወሃብረቢ ኣብቲ እዋን ከምዝገለፅኦ፤ ኢትዮጵያ ኣባል ትካል ንግዲ ዓለም ንምዃን ትገብሮ ዘላ ድርድር ናብ ወሳኒ ምዕራፍ ተሰጋጊሩ ኣሎ።

ኣባልነት እቲ ትካል ኣካል ኢትዮጵያ እተካይዶ ዘላ መርሃ ግብሪ ምምሕያሽ ማክሮ ኢኮኖሚ ከምዝኾነን ቀዳምነት ካብ ዝተውሃቦም ተግባራት ሓደ ምዃኑን ኣመልኪተን።

ኢትዮጵያ ኣባል እቲ ትካል ምዃና፤ ቀፃልነት ፖሊሲን ግልፅነትን ካብ ምጥንኻር ብተወሳኺ ፍርያትን መፍረያይነትን ንግዲ ወፃኢን ኢንቨስትመንትን ብምስፋሕ ብዙሕ ዕድላት ስራሕ ኣብ ምፍጣር ልዑል ኣበርክቶ ከምዝህልዎ ገሊፀን።

እተን ሚኒስትር ጎድና ጎድኒ እቲ በዓል ብዙሕ ወገን ኣኼባ፤ ምስ ኣሜሪካን ሕብረት ኤውሮጳን ዝተኻየደ ክልተኣዊ ድርድር ዕድላት ዕዳጋ ኣዝዩ ዕዉት ከምዝነበረ ምሕባረን ሓበሬታ እቲ ሚኒስቴር የመላኽት።

ካብዚ ብተወሳኺ ክሳብ ሕዚ ንክልተኣዊ ድርድር ሕቶ ካብ ዘቕረባ 17 ሃገራት ምስተን 11 ሃገራት ስምምዕነት ከምዝተፈረመ ገሊፀን።

#ኢትዮጵያ #ዓባይሃገር #ዓብዪህዝቢ #ዓብዪራኢ

Comments (0)
Add Comment