ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ግንቦት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)መናእሰይ ምምሕዳር ድሬዳዋ ካርድ ካርድ ኣብ ምውሳድ ዘርአናዮ ተሳትፎ ድምፂ ኣብ ምሃብ እውን ክነረጋግፅ ኢና ኢሎም።
እቶም መናእሰይ ኣብ 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ብዝወሰዱዎ ካርዲ ድምፆም ብመሃብ ሃገራዊ ሓላፍነቶም ንምውፃእ ድሉዋት ከምዝኾኑ እውን ገሊፆም።
ፅባሕ ድምፂ ንመሃብ ኣብ ድሬዳዋ ዘሎ ድሉውነት ብዝምልከት ግዜኢ ዝተፈላለዩ መናእሰይ ኣዘራሪቡ።
ናይዚ ዓመት መረፃ ንፈለማ እዋን ዝሳተፉሉ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ ከምዝኾነ ዝሓበሩ እቶም መናእሰይ፤ ካርድ ኣብ ምውሳድ ዘርአዩዎ ተሳትፎ ድምፂ ኣብ ምሃብ እውን ከምዘረጋግፁ ተዛሪቦም።
መናእሰይ ኢድል ፋራህ፣ ሜላት ኣባተን ናስር መሓመድን፤ ዝደንፈዐ ስርዓት ዴሞክራሲ ብምህናፅ ቀፃሊት ኢትዮጵያ ንምፅናዕ ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ኣሰርና ክነንብር ተሰናዲእና ኢና ኢሎም።