ካብ ምስቁንቋን ናብ ምውሳን – ንኢትዮጵያ ናብ ቦታኣ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 መስከረም፣ 2019 ዓ.ም (ኤፍ ኤም ሲ)“ለውጢ ሕጊ ህይወት እዩ፤ ናይ ትማሊን ሎሚን ጥራሕ ዝምልከቱ ፅባሕ የምልጦም”፤ እዚ ዝበሉ ድማ መበል 35 ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ዝነበሩ ጆን ኤፍ. ኬኔዲ እዮም።

ኣብዚ መደረ ንትማሊ፣ ሎሚን ፅባሕን ኢትዮጵያ እንትግምግም፤ ሃገርና ቀንዲ ሃፍቲታታ ዝሰኣነት ኣብ ትማሊ ተጣቢቖም ንሎሚ ክርእዩ ብዘይከኣሉ ገዛእቲ ብዝተወሰኑ ዘይበሰሉ ውሳነታት ምዃኑ ብግቡእ ንክንርዳእ ይሕግዘና።

ብምዃኑ ድማ እቶም ንድሕሪት ጥራሕ እናተመልከቱ፤ መዓልታዊ እናተሳለዩ ዝነበሩ ገዛእታ፤ ህዝቢ እንተየማኸሩ፣ ከም ቀሊል ጉዳይ ብዝወሰዱዎ ውሳነ ኢትዮጵያ ካብ በሪ ባሕራ ተነፂላ ንዓመታት ተዓፅያ ክትነብር ተገዲዳ።

ኣብ ጉዳይ ሃገሮም ከም ጓኖት ዝተቖጽሩ ኢትዮጵያውያን፤ ድሌቶም ከይተሓተተ፣ ምስምዕመዖም እንተይገለፁ በሪ ባሕሮም ብምሕዳጎም ንዘበናት እናስቆንቆኑን ብነስሓ እናብሰልሰሉን ነቢሮም።

ስእነት በሪ ባሕሪ ካብ ነስሓ ሓሊፉ ናይ ሕድሕድ ገዛ ማዕፆ ዘንኳሕኾሐ፤ ንኢኮኖሚ ሃገር ኣዝዩ ዝጎድአን ዓብዪ ክሳራ ዘስዐበን እዩ።

ንኣብነት ድማ ብመሰረት ሓበሬታ ኮንፈረንስ ንግዲን ልምዓትን ሕቡራት መንግስታት፤ ከም ኢትዮጵያ ዝበላ ቀጥታ በሪ ባሕሪ ዘይብለን ሃገራት ካብ ዓለም ለኻዊ ማእኸላይ ወፃኢ ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን ወፃኢ ልዕሊ 50 ሚእታዊ ተወሳኺ ወፃኢ ንኽገብራ ይግደዳ።

እዚ ወፃኢ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዜጋ ብዝገዝኦም ኣቕሑ ክንፀባረቕ ዝኽእል ብምዃኑ፤ ኣብ ዕለታዊ ዓቕሚ ዕድጊት ዜጋታት ፅዕንቶ የሕድር ማለት እዩ።

እንተኾነ ግን ኣብ ትማሊ ዘይተሸኸለ፤ ኣብ ሎሚ ዘይተሓፀረን ንዝመፅኡ ወለዶታት ዝእምትን መንግስቲ መደመር “ኢትዮጵያ ተዓፅያ ኣይትተርፍን” ብምባል ብርእሰ ተበግሶ መፂኡ ኣሎ።

በዚ ድማ ዘላቒ ዕቤት ኢትዮጵያ ብዝድለ ቅልጣፈ ንምርግጋፅን ሃገራዊ ድሕንነታ ንምሕላውን ጉዳይ በሪ ባሕሪ ጉዳይ ህልውና እዩ ዝብል ሓበራዊ ሃገራዊ ኣጀንዳ ክፈጥር ክኢሉ።

እዚ ስጉምቲ ነቲ ልዕሊ ሰለስተ ዓሰርተ ዓመታት ዝፀንሐ ናይ ምስቁንቋን ምዕራፍ ዝዓፀወ፤ ኢትዮጵያ ሕጋዊን ታሪኻዊን ሓቃ ሒዛ በሪ ባሕራ ከተምልስ ከምእትኽእል ዓብዪ እምነት ዝፈጠረ ኩነታት ዝቕይር ዓወት እዩ።

ሎሚ ኢትዮጵያውያን ኣብ ጉዳይ በሪ ባሕሪ ኣይጎባጎቡን፤ ንፅባሕ ዘይበሃል፣ ግዜ ዘይህብ ጉዳይ ህልውና ገይሮምዎ እዮም።

መንግስቲ መደመር፤ ነዚ ጉዳይ ወለዶታት ቀዳማይ ኣጀንዳ ካብ ምግባር ሓሊፉ፤ ምስ ህዝቢ ብምንባብ ንተግባራውነቱ ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ክቐርብ ገይሩ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ዕለት ምስረታ ሓዱሽ መንግስቲ መደመር ከም ዘረጋገፅዎ፤ ስልጣነ ኢትዮጵያ ብዘይ በሪ ባሕሪ ጋህዲ ክኸውን ኣይኽእልን።

ስለዝኾነ ድማ “ኢትዮጵያ ብመምርሒ ሂብካ ምቕባል፣ መእተዊን መውፅኢን በሪ ንኽህልዋ ብትግሃት ክንሰርሕ ኢና” ብምባል፤ ኢትዮጵያ ዳግም ወናኒት በሪ ባሕሪ ንምግባር ዝግበር ጉዕዞ ተጠናኺሩ ከም ዝቕፅል ኣረጋጊፆም።

እዚ ወለዶ ኣብ ናይ ትማሊ ስሕተታት ኣብ ናይ ሎሚ ፈተናታትን ተሓፂሩ ናይ ፅባሕ ወለዶ ዝግብኦ ምዕባለ ከይስእን፤ ነዚ ታሪኻዊ ጉዕዞ ናብ ግብኡ ከብፅሖ ይግባእ።

#ኢትዮጵያ #መንግስቲመደመር

ብሃይለማርያም ተገኝ

Comments (0)
Add Comment