ካብ ወፃኢ ንግዲ 8 ነጥቢ 7 ቢሊየን ዶላር ኣታዊ ተረኺቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ግንቦት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ሚኒትር ንግዲን ዞባዊ ምትእስሳርን ካሳሁን ጎፌ (ዶ/ር) ኣብ ዝሓለፉ 10 ኣዋርሕ ካብ ወፃኢ ንግዲ 8 ነጥቢ 7 ቢሊየን ዶላር ኣታዊ ተረኺቡ ኢሎም።

ፍርያት ዕዳጋ ኢትዮጵያ ኣብ ፍርያታት ሕርሻ ኤክስፖርት ቢዝነስን ከምኡ እወን ኣብ ምጥዓም ቡንን ምውፃእ ደረጃን ንሰለስተ ኣዋርሕ ዘሰልጠኖም ሰብ ሞያ ሎሚ መዓልቲ ኣመሪቑ።

ካሳሁን ጎፌ (ዶ/ር) ኣብቲ እዋን ኣብ ዝሓለፉ 10 ኣዋርሕ ካብ ወፃኢ ንግዲ 8 ነጥቢ 7 ቢሊየን ዶላር ኣታዊ ክርከብ ከምዝኸኣለ ብምግላፅ÷ ክሳብ መወዳእታ እቲ በጀት ዓመት ኣታዊኡ ናብ 10 ቢሊየን ዶላር ንምብፃሕ ተሓሲቡ እናተሰርሐ ይርከብ ኢሎም፡፡

ኣካዳሚ ፍርያት ዕዳጋ ኢትዮጵያ ብቑዓት ሰብ ሞያታት ኣብ ምፍራይ ዝበረታታዕ ተግባር እናወገነ ከምዝርከብ ብምሕባር÷ ዘበናዊን ውፅኢታዊን ስርዓት ወፃኢ ንግዲ ንምህናፅ ብፍልጠትን ክእለትን ዝደንፈዐ ሓይሊ ሰብ ምፍራይ ወሳኒ ከምዝኾነ ኣመልኪቶም።

ናይ ሎሚ መዓልቲ ተመረቕቲ እውን ነቲ ወፃኢ ንግዲ ብምፍልጠትን ክእለትን ንምምራሕ ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ልዑል እጃም ክህልዎም ኢዩ ምባሎም ግዜኢ ፀብፂቡ።

Comments (0)
Add Comment