ኢትዮጵያ ዓኒቕ ሃፍቲ ማይን ዝለምዐ መሬትን የሃልዋ እምበር፣ ሕርሻኣ ንዘበናት ኣብ ዝናብ ፅግዕተኛ ኮይኑ ንድርቂን ስግኣት ስእነት ውሕስና ምግቢን እናተቓለዐት ፀኒሓ እያ።
ይኹን እምበር መንግስቲ መደመር ነዚ ታሪኻዊ ማሕለኻ ንምልዋጥ ኣብ ልምዓት መስኖ ሰፊሕ ስራሕ ሰሪሑ እዩ።
እቲ ልምዓት መስኖ ድማ ኣብ መፍረያይነት ሕርሻ፣ ውሕስና ምግቢን ንግዲ ወፃኢን እታ ሃገር ልዑል ለውጢ እናመዝገበ ይርከብ።
ኣብ ታሪኽ እታ ሃገር ልዑል ለውጢ ዘምፀአ ልምዓት ስርናይ መስኖ ሓጋይ ብሚሊየን ዝቑፀር ሄክታር መሬት ብምሽፋን ንኢትዮጵያ ካብ ስርናይ ምምፃእ ናብ ለኣኺት ኣሰጋጊሩዋ ኣሎ።
ዝዓበየ መርአያ ውፅኢታዊነት ልምዓት መስኖ፤ ፍርያት ስርናይ ሓጋይ እንትኸውን÷ እታ ሃገር ሸርፊ ወፃኢ ገይራ ካብ ምግዛእ ኣድሒኑ ናብ ወፃኢ ንምልኣኽ ክትጅምር ገይርዋ እዩ።
ሓረስቶት እዋን ዝናብ እንተይተፀበዩ ኣብ ዓመት ክልተ ሰለስተ ግዜ ንኸፍርዩ ብምኽኣል ኣጠቓቕማ መሬት ውፅኢታዊ ንኪኸውንን ውሕስና ምግቢ ንኽረጋገፅን ኣኽሊሉ።
ኣብ ዓበይትን ማእኸለዎትን ሩባታት ዝተሃነፁ ዘበናዊ ግድባትን መተሓላለፊ ማይ ቦያትን ሰፊሕ ሕርሻ መሬት ብቐፃሊ ንምልማዕ ኣኽሊሉ እዩ።
ኣብ ኣጠቓቕማ ማይ ከርሰ ምድሪ ብዝተሰርሐ ስራሕ ዓሞቕቲ ጎዳጉዲ ማይ ብምኹዓት ሕፅረት ማይ ኣብ ዘለዎምን ክፋል ሰበኽ ሳግም ኣብ ዝኾኑን ከባቢታት ሓዊሱ ዓመት ሙሉእ ከፍርዩ ተገይሩ።
ባህላዊ ሜላታት መሳሐቢ ማይ ብዘበናዊ ናይ ፀሓይ ፓምፕ ቴክኖሎጂ ብምትካእ ወፃን ድካምን ሓረስቶት ንምንካይ ተኻኢሉ።
ብኽነት ማይ ንምንካይ ከም ጠብታ መስኖን ነፃጊ መስኖን ዝበሉ ቴክኖሎጂታት ብሰፊሑ እናተለመዱ መፂኦም እዮም።
ሕርሻ ኩታ ገጠም ኣናእሽቲ ሓረስቶት መሬቶም ብሓባር ብምትእስሳር መሰረተ ልማት መስኖ ብሓባርን ብቑጠባን ንክጥቀሙ ሓጊዙ እዩ።
ብመስኖ ዝለምዑ ፍርያታት ኣትክልቲ፣ ፍረምረን ናይ ቅባትን እኽሊታትን ንዕዳጋ ውሽጢ ሃገር ካብ ምውዓል ሓሊፎም ንዕዳጋ ወፃኢ ክቐርቡ ጀሚሮም።
ኣብ ገጠርን ክፋል ሰበኽ ሳግም ከባቢታትን ቀዋሚ ዕድል ስራሕ ዝፈጠረ ኮይኑ÷ ንኢንዱስትታት ማቀነባበሪ ሕርሻ እውን ቀረብ ጥረ ኣቑሑት ንኽህልዎም ኣኽሊሉ።
ኣብ ኢትዮጵያ እናተርኣየ ዝርከብ ዕቤት ልምዓት መስኖ ልኡላውነት ኢኮኖሚን ውሕስና ምግቢን እታ ሃገር ንምርግጋፅ ዝግበር ጕዕዞ የቀላጥፎ ኣሎ።
ዝተጀመሩ ኣጠቓቕማ ቴክኖሎጂታትን ህንፀት መሰረተ ልምዓትን፤ ኢትዮጵያ ብመፍረያይነት ሕርሻኣ ኣብ ዕዉት መገዲ ከምትርከብ መርኣዪ እዮም።
እዚ ዝላ ንዓውዲ ሕርሻ ጥራኽ ዘይኮነስ ንምሉእ ዓውዲ ኢንዱስትሪን ንግዲፃኢን እታ ሃገር ዝድግፍ ዓብዪ ዓቕሚ ኰይኑ ኣሎ።