ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ወራሲ ዙፋን ስዑድ ዓረብ ሙሓመድ ቢን ሰልማን ንቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) መልእኽቲ እንኳዕ ደስ በለኩም ኣመሓላሊፎም።
ወራሲ ዙፋን ስዑዲ ዓረብ ሙሓመድ ቢን ሰልማን ቢን ዓብዱልዓዚዝ ኣል ስዑድ ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ፤ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ንሓሙሽተ ዓመት ዘገልግል ንሓዱሽ ዘበን ስራሕ ብምምራፆም ዝተሰመዖም ሓጎስ ገሊፆም።
እቶም ወራሲ ዙፋን ንህዝቢ ፌዴራላዊት ዲሞክራስያዊት ሪፐብሊክ ኢትዮጵያ ቀፃሊ ዕብየትን ምዕባለን ከምዝተመነዩ፣ ኤጀንሲ ሳዑዲ ፕሬስ (SPA) ፀብፂቡ።