ኣዲስ ኣበባ፣ 20 መስከረም፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ቤት ምኽሪ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ንወ/ሮ ቡዜና ኣልከድር ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ እቲ ምምሕዳር ከተማ ገይሩ ሾይሙ።
እተን ኣፈ ጉባኤ በቲ ቤት ምኽሪ ዝተወሃበን ሓላፍነት ብቅንዕነትን ብልዑል ትግሃትን ንምፍፃም ቃል ኣትየን።
ቤት ምኽሪ ከተማ ኣዲስ ኣበባ፤ ምስረታ መንግስቲ ምምሕዳር ከተማን 4ይ ዙር መኽፈቲ ጉባኤኡን ኣብ መዘከሪ ዓወት ዓድዋ ኣብ ዝርከብ መእከቢ ኣዳራሽ እቲ ቤት ምኽሪ የካይድ ኣሎ።