ዓበይቲ ፕሮጀክታት ኣብ ሓፂር ግዜን ብፅሬትን ምዝዛም

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ነሓሰ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ፕሮጀክታት ብግዜኦም ክዛዘሙ እንከለዉ ረብሓኦም ካብ ገንዘብ ዝሓልፍ እዩ። ፕሮጀክት ኣብ ዝተተሓዘሉ እዋን ከይተዛዘመ ክተርፍ እንከሎ ካብ ገንዘብ ብተወሳኺ ክግመቱ ዘይክእሉ ብዙሓት ሃፍትታት እዮም ዝጠፍኡ።

ንኣብነት ዘይምዝዛም ፕሮጀክታት መንገዲ ንንግዲ፣ ጥዕናን ምንቅስቓስን የተኣጓጉል፤ ምድንጓይ ፕሮጀክታት ግድብ መስኖ ድማ ካብ ሓረስቶት ሓሊፉ ንፍርያት ንውሕስነት ምግቢ ሃገርን ይጎድእ። ፕሮጀክታት ማይ መስተ ድማ ብቐጥታ ንሕብረተሰብ ዝጎድኡ እዮም።

ብኻልእ ወገን ድማ ፕሮጀክታት ኣብ ዝተመደበሎም ግዜ ዘይምዝዛሞም ዘስዕቦ ተወሳኺ ወፃኢ ገንዘብ ካልኦት ፕሮጀክታት ጥዕና፣ ትምህርትን ካልኦት መሰረታውያን ፕሮጀክታትን ከይስርሑ ዕንቅፋት ብምዃን ድልየት ማሕበረሰብ ከይማልኡ ይገብር።

ስለዚ መንግስቲ መደመር ነዚ ፀገም ብዝግባእ ንምእላይ ዝሕግዙ ተግባራት እናካየደ ይርከብ።በዚ መሰረት ነዊሕ ዓመታት ዝወሰዱ ብዙሓት ፕሮጀክታት ዛዚሙ እዩ። ንዚ ድማ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ግልፂ መርኣያ እዩ።

ከም ዝፍለጥ እቲ ግድብ ካብቲ ዝተመደበሉ በጀትን ግዜን ኣዝዩ ዝደንጎየ እዩ ነይሩ፤ መንግስቲ መደመር ነዚ ንምእራምን እቲ ግድብ ንምዝዛምን ኣብቲ እዋን ዝነበረ ሸርፊ ወፃኢ ብምፅዋር እቲ ስራሕ ክቕፅል ብምግባር ንግድብ ህዳሰ ኣብቂዕዎ እዩ።

ብተመሳሳሊ ከም ዕድመ ሓደ መንእሰይ ዝኣክል 18 ዓመታት ዝፀንሐ ፕሮጀክት ግድብ መስኖ መገጭ እውን ግዜ፣ ገንዘብን ተረባሕነት ካብ ዝበልዑ ፕሮጀክታት እቲ ሓደ ኮይኑ ይልዓል።

ይኹን እምበር መንግስቲ መደመር ምድንጓይ ፕሮጀክታት ይኣክል ብምባል፣ ፕሮጀክት ግድብ መገጭ ብቕልጡፍን ብፅሬትን ክፍፅም ብምግባሩ፣ ኣብዚ ሕዚ እዋን ክዛዘም ዝተረፎ ስራሕ ኣስታት 6 ሚእታዊት ጥራይ ኮይኑ ኣሎ።

ከም ጎርጎራን ካልኦት መባፅሕ ቱሪዝምን ከምኡውን ናይ ከተማን ገጠርን ፕሮጀክታት ልምዓት ኮሪደር፣ ካብቲ ዝተመደበሎም ግዜ ንታሕቲ ወይ ኣብ ውሽጢ እቲ ዝተመደበሎም ግዜ ዝተዛዘሙ መርኣያታት ዓወት እዮም።

መንግስቲ መደመር ፕሮጀክታት ዝጅምር ጥራይ ዘይኮነስ ብቕልጡፍን ፅሬትን ዝዛዝም፣ ቃል ናብ ተግባር ዝቕይር መንግስቲ ምዃኑ ዓበይቲ ፕሮጀክታት ኣብ ሓፃር ግዜ ብምዝዛም ኣረጋጊፁ እዩ፤ እናረጋገፀ እውን ይርከብ።

ብእመቤት ሲሳይ

 

Comments (0)
Add Comment